ደንካልያ ኣልቲሜት ናይ ምሕቃቕ መግቢ ጥማሮ (ሓርጭ/ፈሳሲ)
መብርሂ
ንስርዓተ ምሕቃቕ መግብን ብመንገዲ ኣልቲሜት ብዝሐ መኣዛታት ዝድርዕ ሚሳልያዊ ምርጫ ዘመናዊ ሂወት’ዩ። ንምሉእ ጥዕና ኣገደስቲ ዝኾኑ ቫይታሚናት፡ሚነራላት፡ ኣሚኖ ኣሲዳትን ኣገደስቲ ስብሓውያን ኣሲዳትን ብሰንኪ ኣብዚ ዘሎ ንልዑል ተጠቃምነት ላዕለዋይ ሽፋን ሓመድ ዘተኣብዕ ኣጋባብ ሕርሻ እናኣንቖልቖለ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። እዚ ጥቕላል ትሕስቶ’ዚ ሓያል ሕውስዋስ ብዝሐ ቫይታሚን ሚነራል ፈሳሲ፡ ሕውስዋስ ዘይቲ ኦሜጋ፡ ደገፍ ኣዕጽምቲ ፈሳሲ፡ ደገፍ ፍሎራ፡ ኣልቲሜት ኢንዛይምን ኣብ ግዜ ለይቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገርን ዝሓዘ’ዩ። ብተወሳኺ ልዕሊ 90 ኣገደስቲ ቫይታሚናት፡ ሚነራላት፡ ኣሚኖኣሲዳት፡ ኣገደስቲ ስብሓውያን ኣሲዳት ብተወሳኺ’ውን ካልሽዩም፡ ቫይታሚን ዲ3፡ ማግኔጅዩምን ሰለንዩምን ንስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ኣካላትና ካብ ኦክሱዳዊ ጸቕጢ ንምክልኻል ዝሓዘለ’ዩ። ናይ ደንካልያ ናይ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ጥማሮ (ሓርጭ/ፈሳሲ) ፡ ብ115 ፍሩታታትን ኣሕምልትን ዝተወሰኾ ጸረ-ኡክሰዳ ኣዝዩ ሃብታም እዩ። እዚ ድማ ንኣካላትና ን ከም ጸቅጥን ካልእ ኣብዚ ግዜ’ዚ ብሰንኪ ምዕቡል እዋን ዝኽሰት ጉድኣት ንምግልጋል ዝተቀመረ’ዩ።
ንዝያዳ ሓበሬታ ፍርያትና በብሓደ ርአ
ኣገባብ ኣጠቃቕማ
ብዝሐ - ቫይታሚናዊን ሚነራላውን ሓርጭ -30 ቀረብ - መዓልታዊ 2 መግሓጢ ኣብ 500 ሚሊሊተር ምስ ማይ ወይ ድማ ጽሟቕ ብምብጽባጽ ምስ መግቢ ወይ ድማ ድሕሪ መግቢ ውሰድ። ወይ ድማ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ክውሰድ ይከኣል።
ናይ ዓጽሚ መደልደሊ ፈሳሲ - መዓልታዊ 31 ሚሊተር (2 ማንካ ጣውላ)፡ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ውሰድ።
ኣልቲሜት ኦሜጋ 3፣ 6ን 9 - 90 ሶፍት ጄል ለቖታት - ንመዓልቲ ምስ መግቢ ወይ ድማ ድሕሪ መግቢ 3 ለቖታታት፡ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ምውሳድ።
ደገፍ ፍሎራ 90 ለቖታት - መዓልታዊ 3 ለቖታታት ምውሳድ ምስ መግቢ እንተኮነ ተመራጺ እዩ። ወይ’ውን ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ክውሰድ ይግባእ።
ኣልቲሜት ኢንዛይም 120 ለቖታታት - 2-3 ለቖታታት ቕድሚ ግቡእ መግቢ (ላርጅ ሚል)፡ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ክውሰድ ይግባእ።
ለይትለይቲ ኣገዳሲ ዝኾነ -ለቖታ መድሃኒት - 62 ለቖታታት - 2 ለቖታታት ቕድሚ መግቢ፡ ወይ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ክውሰድ ይግባእ።
ኣተዓቓቕባ
ብዝሐ-ቫይታሚናዊን ሚነራላውን ሓርጭ - 30 ቀረብ - ኣብ ዝሑልን፣ ጩራ ጸሓይ ብቀጥታ ኣብ ዘይረክቦ ንቑጽ ኣካባቢ ክቕመጥ ይከኣል። ኣብ ፍሪጅ ምቕማጡ ኣየድልን።
ናይ ዓጽሚ መደልደሊ ፈሳሲ - ኣብ ዝሑልን ቀጥታዊ ጩራ ጸሓይ ዘይረኽቦ ቦታ ዓቕቦ። ኣዝዩ ንጹህ ስለዝኾነ ምስ ግዜ ኣብ ፍርጅ እንከሎ ክረግእ ዝኽእል ኢዩ። ስለዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ተጠቃምነት ግዜ ክሕቆን የድሊ። ኣብ ፍሪጅ ኣብ ዝቕመጠሉ እዋን ንጋድም ክኸወን ይግባእ።
ኣልቲሜት ኦሜጋ 3፣ 6ን 9 - 90 ሶፍት ጄል ለቖታት - ኣብ ዝሑልን፣ ጩራ ጸሓይ ብቀጥታ ኣብ ዘይረክቦ ንቑጽ ኣካባቢ ክቕመጥ ይከኣል። ኣብ ፍሪጅ ምቕማጡ ኣየድልን።
ደገፍ ፍሎራ - 90 ለቖታት - ኣብ ዝሑልን፣ ጩራ ጸሓይ ብቀጥታ ኣብ ዘይረክቦ ንቑጽ ኣካባቢ ክቕመጥ ይከኣል። ኣብ ፍሪጅ ምቕማጡ ኣየድልን።
ኣልቲሜት ኢንዛይም 120 ለቖታታት - ኣብ ዝሑልን፣ ጩራ ጸሓይ ብቀጥታ ኣብ ዘይረክቦ ንቑጽ ኣካባቢ ክቕመጥ ይከኣል። ኣብ ፍሪጅ ምቕማጡ ኣየድልን።
ለይትለይቲ ኣገዳሲ ዝኾነ -ለቖታ መድሃኒት - 62 ለቖታታት - ኣብ ዝሑል፡ ወይ ቀጥታዊ ናይ ጸሓይ ጩራ ዘይረኽቦ ንቑጽ ቦታ ኣቐምጦ። ፍርጅ ምጥቃም ኣየድልን።