ሰላም፥ ስመይ ሰናይት ይበሃል ሞያይ ስነ-መግብን ምስልጣን ጥዕናን ኮይኑ፡ ክብደት ንምቑጽጻር፡ ኣመጋግባ ንኣእምኣዊ ጥዕና፡ ዝምእምእ ዓቕሚ ናይ ምክልኻል ከምኡ’ውን መስርሕ መዓናጡን ካልኦትን ዘጠቃልል ስፐሻላይዝ ገይረ። ብተወሳኺ ኣነ፡ ኣብ ምእላይ ኣካላውን ምዕባላኣውን ስንክልና ዘለዎም ህጻናት ዓሙቕ ተመክሮ ኣለኒ። እጃመይ፡ ኣብ ውልቃዊ ኣመጋግባን ቕዲ ሂወትን ደገፍን ምኽርን ምግባር ኮይኑ፡ ከምኡ’ውን ዓማዊለይ ኣብ ዝሕንጽጽዎ ጥዕናዊ፡ ብቕዓታውን ኣካላውን ዘወሃሃደ ሸቶ ንክጭብጥዎ ደገፍ ምግባር እዩ።

{formbuilder:23775}

ሰናይት
ብዓልቲ ሞያ ስነ-መግቢ፣ ኣሰልጣኒት ጥዕና፡ ባችለር ሳይንስ

ዝምስርቶ ኩለንትንኣዊ ምትሕሓዝ ኣብ ኩሉ መዳይ ቅዲ ሂወት ዘተኩር ኮይኑ፡ እዚ ድማ ጠንቒ ናይቲ ጸገም ብልክዕ እንታይ ምዃኑ ንምልላይን መርትዖ መሰረት ዝገበረ እስትራተጂ ምርኩስ ብምግባር ንምስትኽኻሉ ዝሕግዝ እዩ። ተመስጦይ ኣብ ብልዕን ስነ-መግብን ካብ ግዜ ቁልዕነተይ ዝጅምር እዩ። ኣብ 1992 ብስነ-መግብን ኣመጋግባን ብቀዳማይ ናይ ዲግሪ ማዕርግ፡ ኣብ 2012 ድማ ብዓውዲ ኣመጋግባ ብባችለር ሳይንስ ትምህርተይ ዛዚመ’የ።

ኣብ ስነ-መግቢ ዘለኒ ኣድናቖትን ዝህልዎ ደገፍ ኣብ ጽቡቕ ኣካላውን ኣእምራውን ጥዕና፡ ሕጂ ጎቢዞም ዘለዉ 3 ደቐይ ድሕሪ ምውላደይ ዘሎ ዓመታት፡ ብሰንኪ ድኹም ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ግዳይ ምዃነይን ንክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሕክምና ምእላየይን እዩ ዝጅምር። ንነዊሕ እዋን ዝተኣዘዘለይ ፍወሳ ወሲደ፡ እዚ ድማ ንዝነበረኒ ተርእዮታት ደኣ እንበር ንመንቀሊ ሕማመይ ክፍውሶ ኣይከኣለን። ኣብዚ ግዜ’ዚ እየ እምበኣር ተበግሶ ወሲደ ንኣካላተይ እንታይ የጋጥሞ ከምዘሎን ስለምንታይን ብምባል ንነብሰይ ከጽንዕ ዝጀመርኩ።

ኣብ ግቡእ ስርዓተ ኣመጋግባ፡ ካብ ኣትክልቲ ዝርከቡ ሚነራላት፡ ቫይታሚናት፡ ኣሚኖኣሲዳት፡ ኣገደስቲ ስብሓውያን ኣሲዳት፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከምኡ’ውን ስነ-ኣእምራዊ ጥዕና ኣተኩሮ ብምግባር፡ ብሉእ ብምሉእ ጥዕናይ ናብ ንቡር ክመልስ ኪኢለ እየ። ንሕጂ ድማ ዕላማይ ተመሳሳሊ ተርእዮታት ንዘለዎም ሰባት፡ ንጥዕንኦም ጸገም ጠንቑ ከለልዩን ክኣልይዎን ሓገዝ ምቕራብ እዩ።

ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ሰሪሐ እየ። ብፍላይ ምስ ኣካላውን ምዕባልኣውን ጸገማት ዘለዎም ሰባት፡ ኤ.ዲ.ኤች.ዲ፡ዝተፈላለዩ ናይ ጥዕና ኩነታት፡ ስርዓተ ምክልኻልን ካልኦት ሕማማት ዘለዎም። ንብዙሓት ሰባት ዘለዎም ሕጽረታት ኣመሓዲሮም ጥዕና ዝሰፈኖ ቅዲ-ሂወት ክህልዎምን ናብ ዕላምኦም ክበጽሑን ብብቕዓት ሓጊዘ እየ።

ንናይ ደንከልያ ፍልስፍናን ፍርያትን ብምልኣት እየ ዝድግፍ። ንዘለዎ ናይ ኣድማዕነትን ምሕዋይን ረብሓታት ብክልቲኡ ወገን ማለት ባዕለይን ንንዊሕ ዓመታት ዘሳሰክዎምን ሰባትን፡ ቀጥታዊ ተመክሮ እዩ ዘለኒ።

ንሕመረት ጠንቒ ጥዕናኩም መታን ከተለልዩ፡ ናይ 30 ደቃይቕ ነጻ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ዕድመ አቕርበልኩም። ፍቃደኛታት ምስ እትኮኑ፡ ብኽብረትኩም ነቲ ናይ መርከቢ ሰነድ(ኮንታክት) ምልእዎ፡ ነቲ ጥዕናኩም ናብ ንቡር ናብ ምምላስ ዝግበር ጉዕዞ ከሳስየኩምን ክድግፈኩምን ባህታይ እዩ።



The cookie settings on this website are set to 'allow all cookies' to give you the very best experience. Please click Accept Cookies to continue to use the site.
You have successfully subscribed!