ማሳጅ ቴራፒ
ርኽበታት ስነ-ኩዕታ ማሳጅ ካብ ኣስታት 5 ሽሕ ዓመታትን ልዕሊኡን ኣትሒዙ ንወጥሪ(ጭንቀት) መፍኮስን ንመቕለሊ ጽልኣትን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ከምዝነበረ’ዮም ዝሕብሩና። ማሳጅ ንናይ ሰውነትና ወጥሪ ንምውጋድ ካብ ዝጠቕሙ ረቋሒታት ሓደ እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት እዩ ዘለና። ውጥረት ንምልላይ፡ ንምጉዳልን ንምጥፋእን ንናይ ራይኖር ቴክኒክ ኢና እንጥቐም። እዚ ቴክኒክ እዚ ብመንገዲ ናይ ዮጋ ምስትንፋስ ኣተገባብራ ፡ ንብዙሕ ምብራቓዊ ልምድታት ከም ሺያትሱ፡ ሎሚ ሎሚ፡ አዩርቨዲክን ታይ ማሳጅን የጠቓልል።
ናይ ማሳጅ ቴክኒክና ንጅማውትን ኣዕጽምትን ጥራሕ ዘይኮነ ዝከናኸን፡ ንኣብ ኣካላትና ዘሎ ጸዓት’ውን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ክውገዱ ዝኽእሉ ወጥርታት ብስምዒትን ጭንቀትን ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ከምዝመጹ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ራይኖር ማሳጅ ምስ ኩሉ ምብራቓዊ ጽልውኡ፡ ኣብ ምውጣር ጅማውቲትን ምምዝባል ኣዕጽምትን ሳዕቤን ዝኸወን ናይ ቻይ መዕገትቲ ፍታሕ የናዲ። እዚ ናይ ማሳጅ ቴክኒክና ነዞም ዓይነት ዕግተት፡ ኩሉ ክፋል ኣካልትና ናብ ምዝናይ ከምዝምለስ ብምግባር ከምዝፍታሕ ይገብሮ።
ዋጋ ናይ ማሳጅ ቴራፒ
ናይ ራይኖር ፈላሚ ማሳጅና 40 ፓውንድ (£ 40) ከምኡ’ውን ምስ እዚ ተታሓሒዙ ብነጻ ናይ ዓንዲ ሕቖ መርመራ ብኪኢላ ጥዕና ዓንዲ ሕቖ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዶክተር ሮበርት ነካይድ።
እዚ ክፋል እዚ፡ ኣብ 15 ደቃይቕ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ምስ መጽናዕቲ ናይ ጥዕና ቃለ-ምልልስ፡ ብዘይካ’ዚ 45 ደቃይቕ ናይ ማሳጅ ፍወሳ እተኸፋፈለ።
ንሓደስቲ ዓማዊል ን2 ሰዓት ናይ መፋለጢ ኣገልግሎት 95 ፓውንድ (£95) ፡
ናይ መጀምርያ ማዕርግ ናይ ራይኖር ማሳጅ፡ ብእተመጣጠነ ክፍሊት ናይ ምምኽኻር ከምኡ’ውን ናይ ማሳጅ ቴራፒ ኣገልግሎት ዘጠቃለለ እዩ።
ሓደ ሰዓት ቀዋሚ ዓሚል 50 ፓውንድ (£50)
ኩሎም ናይ ማሳጅ ፍወሳና ብቖጸራ ጥራሕ ዝተሓዙ ኮይኖም፡ ፍቓድኩም ምስ ዝኸወን ብኽብረትኩም ንዓና ንምርካብ ኣብ’ዚ ጠውቑ፡ ንሕና ድማ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክንምለሰኩም ኢና። ከም ኣማራጺ ድማ ክትድውሉልና ትኽእሉ ኢኩም።