ሰናይት ብዓልቲ ሞያ ስነ-መግብን ኣሰልጣኒት ጥዕናን ኮይና ክብደት ንምቑጽጻር፡ ኣመጋግባ ንኣእምኣዊ ጥዕና፡ ዝምእምእ ዓቕሚ ናይ ምክልኻል ከምኡ’ውን መስርሕ መዓናጡን ካልኦትን ዘጠቃልል እዩ ሞይኣ። ግደ ናይ ሰናይት ፡ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ኣብ ኣመጋግባን ቕዲ ሂወትን ደገፍን ምዕዶን ንምቕራብ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ንዓማዊላ ጥዕና፡ ብቕዓትን ውህደት ኣካላትን ናብ ሸቶ ክበጽሑ ምግባር እዩ።

ሰናይት ምስ ኣካላውን ምዕባልኣውን ስንክልና ዘለዎም ህጻናት ከም መምህርን ኣሰልጣኒት ብምዃን ኣዕሙቃ እያ እትሳተፍ። ሰናይት ምስ ዓማዊላ ኩለንትንኣዊ ምትሕሓዝ ብምግባር፡ ንዘለዎም ጸገማት ጠንቁ ንምልላይን ንምርካብን ኣብ ኩሉ መዳይ ቅዲ ሂወቶም ኣትኩሮ ብምክያድን ንምስትኽካሉ መርትዖ መሰረት ዝገበረ ስትራተጂካ እያ እትኽተል።

ሰናይት ኣብ መግብን ኣመጋግባን ዘለዋ ልዑል ተገዳስነት ካብ ግዜ ቁልዕነታ ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣብ 1992 ብስነ-መግብን ኣመጋግባን ብቀዳማይ ናይ ዲግሪ ማዕርግ ክትረክብ ከላ፡ ኣብ 2012 ድማ ካብ ዩኒቨርስቲ ሂርፎርድሻየር ብዓውዲ ኣመጋግባ ብባችለር ሳይንስ ተመሪቓ።

ሰናይት ሰለስተ ህጻናት ድሕሪ ምውላዳ፡ ብሰንኪ ድኹም ናይ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ንክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሕክምና ክትዕቖብ ተገዲዳ’ያ። ድሕሪ እዚ ድማ፡ ሰናይት ኣመጋግባ፡ መሰረት ኣካላውን ኣእምራውን ጥዕና ከምዝኾነ እያ ክትግንዘብ ኪኢላ።

ኣብ ግቡእ ስርዓተ ኣመግጋባ፡ ሚነራላት ዝርከቦም ኣትክልቲ፡ ቪታሚናት፡ ኣሚኖኣሲዳት፡ ኣገደስቲ ስብሓውያን ኣሲዳት፡ ኣካላዊ ምቕስቃሳት፡ ስነ-ኣእምራዊ ምርግጋእ ብምትዃርን ብግቡእ ብምምሕዳርን ጥዕንኣ ናብ ንቡር ክትመልስ ኪኢላ እያ። በዚ ምኽንያት ዕላምኣ ተመሳሳሊ ተእዮታት ንዘለዎም ሰባት ጸገማቶም ምብልላይ ነቲ መሰረታዊ ጠንቒ ንምርካብ’ዩ። ንብዙሓት ሕጽረታት ዘለዎም ሰባት ድማ ሰናይት ጥዑይ ቅዲ ሂወት ክህልዎምን ናብ ሸቶታቶምን ክበጽሑ ሓገዝ ገይራትሎም እያ።

The cookie settings on this website are set to 'allow all cookies' to give you the very best experience. Please click Accept Cookies to continue to use the site.
You have successfully subscribed!