ገንዘብ ናይ መምለሲ ፖሊሲ
ፖሊስና ን30 መዓልታት ዝጸንሕ እዩ። ካብ ዝዓደግክምሉ እዋን 30 መዓልታት ምስ ዝሓለፍ፡ ይቕሬታ ገንዘብኩም ክንመልስ ወይ ክንልውጠልኩም ኣይከኣልን እዩ።
ዝዓደግክሞ ናይ ምምላስ ሕቶኹም ተቐባልነት ክህልዎ፡ እቲ ንብረት ምስ ዘይትጥቐምሉ ከምኡ’ውን ኣብ መፈለሚ (ኦርጂናል) መዐሸጊኡ ክህሉ ይግባእ።
ናይ ተመላስ ጠለብኩም ንክማላእ ዝዓደግክምሉ ረሲት ወይ መረጋገጺ ከተቕርቡ ትግደዱ።Please do not
ብኽብረትኩም ዝዓደግክሞ፡ ናብ ሰናዕቲ ኣይትልኣኹ።
ኣብ ትሕቲ ገለ ኩነታት ጥራሕ ኢና ንናይ ተመላስ ጠለባትኩም ተቀባልነት ዝረክብ። (ዝከኣል ምስ ዝኸወን)
ብልኽዕ ዘይትዓሸገ፡ ብናትና ጉድለት ብዘይኮነ ምኽንያት ዝዓነወ ወይ ዝጎደለ ዝኾነ ንብረት።
ድሕሪ 30 መዓልታት ዝተመልሰ ንብረት
ብኽብረትኩም ዝያዳ ሓበሬታ ንኽትረኽቡ ኣብ ኤውሮፓዊ ስርዓት ተመላስ ርኣዩ።
ኣብ ኤውሮፓ ካብ ዝትግበሩ ጠለባት፡ ናብ መኽዘን ዝምለስ ዓሚል ምስ ዘይርከብ’ዩ።
ንትሕቲ 10 ኪሎግራም ቀዳማይ ኤውሮፓዊ ጠለባት ዝኾነ፡ ካብ ናይ ሓደ ወይ ክልተ መዓልታት ዘይሓልፍ ኣገልግሎት ዝህብ ፈድኤክስ (FedEx) ኢና እንጥቐም። ፈድኤክስ (FedEx) ጠለባትኩም ኣብ ዘብጽሓሉ እዋን፡ ኣብ ዘይትርከብሉ እዋን ካርድ ክገድፈልኩም እዩ፡ እቲ ንብረት ድማ ናብ ቀረባ ዘሎ መዐቀቢ ን3 መዓልታት ክጸንሕ እዩ። ኣብ’ዚ ኩነታት ዓሚል ምስ ፈድኤክስ ብምዃን ዳግማይ ውጥን ናይ ምርክካብ ንብረት ክገብር እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ። ኣድራሻ ንምርካብ ጸገማት ምስ ዘጋጥም ወይ’ውን ኣብቲ ግዜ’ቲ ዓሚል ንዝተናውሐ ግዜ ምስ ዘይህሉ፡ ዓሚል ነቲ ንብረት ናብ ካልእ ኣድርሻ ንኽበጽሕ ክውጥን’ዩ ትጽቢት ዝግበረሉ። ዓሚል ኣብ ግዜኡ ኣድላዩ ስጉምትታት ምስ ዘይወስድ’ሞ እቲ ንብረት ናብ መዐቀብ ንብረት ምስ ዝምለስ 60 ፓውንድ ናይ መለሲ ክፍሊት ኣለዎ። ዓሚል ጸኒሑ ክወስዶ ኣብ ዝደልየሉ ዳግማይ ዘሎ ክፍሊት ከማልእ ይግደድ።
ተመላስ ገንዘብ (ዝከኣል ምስ ዝኸወን)
ተመላስ ኣብ ዝበጽሓሉን ኣብ ዝፍተሸሉን፡ ዝሰደድክሞ ንብረት ከምእተቐበልናዮ ዝሕብር ኢሜይል ክንሰደልኩም ኢና። ንተቀባልነት ወይ ምንጻግ ናይ ተመላሲ ዝገበርክሞ ንብረት’ውን ክንሕብረኩም ኢና።
ተቀባልነት ምስ ዝህልዎ፡ ተመላሲኹም ዳግማይ ናብ መስርሕ ክኣትወልኩምን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ድማ እቲ ገንዘብ ናብ ሕሳብኩም ተመላሲ ክንገብሮ ኢና። እዚ ድማ ኣብ ዉሑድ መዓልታት ናብ ክረዲት ካርድኹም ወይ ውን ብኦርጅናል ኣከፋፍላ።
ዝደንጎየ ወይ ዝጠፍአ ተመላስ ገንዘብ (ዝከኣል ምስ ዝኸወን)
ተመላሲ ዝገበርናሉክም ተዘይተቀቢልክሞ፡ ፈለማ ናይ ባንክ ሕሳብኩም ኣረጋግጹ።
ካብዚ ብምቕጻል፡ ምድንጓያት ክፍጠር ስለዝኸኣል ንናይ ክረዲት ካርድኹም ኩባንያ ርኸብዎም።
ተመላሲ ክሳብ ዝልጠፍ ገለ ግዜ ስለ ዝወስድ፡ ጸኒሕኩም ንእትግልገልሉ ባንክ ርከብዎም።
ነዚ ኩሉ ኣማሊእኩም ከተብቕዑ ጌና ተመላሲኹም ምስ ዘይትረኽቡ፡ ኣብ info@denkelia.com ርኸቡና።
ብለውጢ ዝተወስደ ንብረት (ዝከኣል ምስ ዝኸወን)
ቀዋሚ ዋጋ ዘለዎ ንብረት ጥራሕ እዩ ተመላሲ ክኸወን ዝኽእል፡ ኣጋጣሚ ግን ብለውጢ ዝተወሰዱ ንብረት ተመላሲ ክኾኑ ኣይክእሉን’ዮም።
ምቕያር (ዝከኣል ምስ ዝኸወን)
ሓደ ንብረት ኣበር ምስ ዘይህልዎ ወይ’ውን ዘይዓነወ ምስ ዝኸወን ጥራሕ እዩ ተመላሲ ዝኸወን። ብተመሳሳሊ ንብረት ክትቕይሮርዎ ምስ እትደልዩ ናብ info@denkelia.com ኢሜይል ስደደልና። ንብረትካ ድማ ናብ Denkelia Nutritional Products Ltd, Unit 26, Kilwee Business Park, Upper Dunmurry Ln, Belfast, BT17 0HD. ልኣኸልና። ቅሬታ ምስ ዝህልወኩም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነጥብታት መሰረት ገይርና ብምዝርራብ 100 ሚእታዊት ዕግበትኩም ከነውሕስ ኢና። ምሉእ ወይ ከፊላዊ ወይ’ውን ንብረት ተመላሲ ክንገብረልኩም ኢና።
ህያብ
ሓደ ንብረት ከም ህያብ ተባሂሉ ተዓዲጉ ብቀጥታ ናባኩም ምስ ዝለኣኽ፡ ንኣገዳስነት ተመላስ ናይ ህያብ ክረዲት ክትቕበሉ ኢኩም። ተመላሲ ንብረት ምስ ዝበጽሕ፡ ኣብ ኢይልካ ምስክር ወረቀት ናይቲ ህያብ ክለኣኸልካ እዩ።
እቲ ንብረት ህያብ ተባሂሉ ምስ ዘይዕደግ፡ ወይ እቲ ወሃቢ ባዕሉ ጸኒሑ ክህበካ ምስ ዝጥለብ፡ ብዛዕባ ተመላሲ ነቲ ሰብ ክሕበሮ እዩ።
መልኣኺ
ንብረትካ ክትመልሶ ምስ እትደሊ፡ ነቲ ፍርያት ናብ Unit 26, Kilwee Business Park, Upper Dunmurry Ln, Belfast, BT17 0HD.ኢመይል ክትገብሮ ይግባእ።
ንዋጋ መምለሲ ንብረትካ ባዕልኻ ሓላፍነት ክትወስደሉ ኢኻ። ናይ መጉዓዓዚ ዋጋ ተመላሲ ኣይከውንን። ተመላሲ ምስ እትቕበል፡ ናይ መምለሲ ሕሳብ ካብ ናይ ተመላስ ሕሳብካ ክጎድል እዩ።
እትነብረሉ ከባቢ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝለወጥካዮ ትሕስቶ ክበጽሓልካ ዘለዎ ግዜ ይፈላለ እዩ።
ሓደ ንብረት ንከተጉዓዕዝ ልዕሊ 50 ፓውንድ ምስ ዝኸወን፡ ናይ መጉዓዕዚ ውሕስነት (ኢንሹራንስ) ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ተመላስ ንዝገብርካዮ ንብረት ውሕስነት ክንህብ ኣይንኽእል ኢና።