ካብ ኣትክልቲ ዝርከቡ ማዕድናት
መብርሂ ዕደና
ናይ ደንከልያ ካብ ኣትክልቲ ዝርከቡ ለዝለዝታ ማዕድናት፡ ብጥንቃቐ ካብ ዩታህ ማእከል ዕደና ሕቡራት መንግታት ኣመሪካ ዝወጹን ዝተመስርሑን እዮም። ምንጭና፡ ክፉት ናይ ሂሚክ ድርዒ ኮይኑ፡ ጽላል ናይ ካብ 75 ክሳብ 150 ሚልዮን ዓመታት ቅድመ ታሪኽ ዝነበሩ ኣትክልቲ’ዩ። ብተወሳኺ እዚ ሃብቲ እዚ እቲ ዝኸበረ ሃብቲ ናብ ጽፍሒ መሬት ዝቐረበ’ዩ።
ማይን ጸርጊ ኡልትራቭዮላን ናብ’ቲ ክዙን ክበጽሑን ነቲ ጽባቀ ናይቲ ክዙን ክመጽይዎን ይኽእሉ እዮም። እንተኮነ ግዳ፡ ምንጭና ካብ ጥንቲ እዋን ዝነበረ ዱር ዝተሸፈነ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ብቀጢን እምኒኖራ ተኸዲኑ፡ ካብ ካልኦት ባእታታት ይከላኸለሉ። እቲ ነቶም ንሂወትና ዘመሓይሹ ካብ ኣትክልቲ ዝርከቡ ሚነራላት ዝዕደኖ ቀጸላ፡ ጠንቒ ንልዑል ጸቕጢ ኣይኮነን፡ በዚ ምኽንያት ቕሪት ኣይከውንን ወይ ድማ ኣይምሽምሽን፡ ብቀሊል ምዝመዛ(ዕደና) ክርከብ ዝከኣል እዩ።
ኣርባዕተ ዓበይቲ ጉጅለ ኣትክልቲ
እዚ ምንጪ ካብ ኣትክልቲ ዝርከብ ማዕድናት ዝኾነ ዱር፡ ኣብ ሓደ እዋን ብክሻር (ቖጽሊ ኣልቦ ተኽሊ) ፡ አንጂዮስፐርምስ (ንኣብነት ማግኖሊስ ፡ ቺካደያን ኮኒፈራን (ዓይነት ጽሕዲ) ምሉእ እዩ ዝነበረ። ኣብ ሓደ እዋን፡ እቲ ሓመድ ጸኒሖም ናብ ህይወታዊ ኮሎይዳልስ ዝተለወጡ ሚነራላት ሃብታም እዩ ነይሩ፡ ልዕሊ 75 ሚልዮን ዓመታት ጸኒሑ፡ እዚ ነቲ ናይ ደንከልያ መሰረት ናይ ካብ ኣትክልቲ ዝርከቡ ማዕድናት ኣቚሙ ኣሎ።
እዞም ኣትክልቲ ብዉሑዱ ካብ 60 ክሳብ 80ን ልዕሊኡን ሓጺናውያን ሚነራላት ካብ ሓመድ ክመጽዩ ከምዝኽእሉ እዩ ዝእመን። ብሮንቶሳውረስ (በላዕ ሳዕሪ ዓይነት ዳይናሶር) ብገምጋም ክሳብ 880 ፓውንድ ዝግመት ኣትክልቲ ኣብ መዓልቲ የኾምስዕ፡ እዚ እናኮነ ኣግራብ ግን ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክሳብ 25 “ፊት” ጥራሕ ይዓብዩ።
እቲ ናይ ሂሚክ ድርዒ ብጥንቃቐ ካብቲ ናይ ጥንቲ ቦትኡ ድሕሪ ምእላዩ፡ ኣብ ዓቢ ዘተኣማምን፡ ጽፍሒ ናይ መግቢ ታንክ፡ ብተፈጥርኣዊ ፈልፋሊ ማይ እዩ ዝኽዘን። ብመስርሕ ኦስሞሲስ ድማ እቶም መኣዛታት ካብቲ ድርዒ ይወጹ። ካብ ሓደ ሊትሮ ድማ ክሳብ 38 ግራም ዝበጽሑ ካብ ኣትክልቲ ዝርከቡ ሚነራላት ይወጹ። ነቲ ክቡር ነገር ናይ ሓደ ሊትሮ ንምርካብ 78 ፓውንድ ድርዒ ሂሚክ ይወስድ። እዚ ድማ 1,034 ፓውንድ ኣትክልቲ ቅድመ ታሪኽ ከምዝኾነ ይእመን።
3 ንኣካላትና ሚነራላት ክንህበሉ እንኽል መንገዲ: -
ሓጺናውያን ማዕድናት
- ምንጪ - ተነጻፍ ባሕሪ፡ ኣኻውሕ ከምኡ’ውን ሓመድ
- ኣብ ማይ ዘይሓቑ (ሃይድሮፊክ) ስለዚ ድማ ብቐሊሉ ኣይሓቑን
- ፖዘቲቭ ኤሌክትሪክ ቻርጅ
- ናይ ምምጻው መጠን ትሕቲ 8 ሚእታዊት
- ኣብ ዓበይቲ ዱካናት ዝሽየጥ ‘ሳፕሊመንት’
ቸልትድ ማዕድናት
- ብኣሚኖ ኣሲድ ወይ ፕሮቲን ዝተሸፈነ ሓጺናዊ ሚነራላት
- ፍታሕ ንድኹም ምምጻው ሓጺናውያን ማዕድናት ዝኾነ ፍርያት ናይ 1970ታት
- ናይ ምምጻው መጠን ልዕሊ 50 ሚእታዊት
ካብ ኣትክልቲ ዝርከቡ ማዕድናት
- ኣሉታዊ ኤሌክትሪክ ቻርጅ
- ብቀሊሉ ክሓቕቕ ዝኽእል (ሃይድሮፊክ))
- ካብ ሓጺናውያን ማዕድናት 200 – 2,000 ግዜ ዝንእስ
- ብቀሊሉ ዝምጾ - ገለ ማዕድናት .0000001 ማይክሮን ጥራሕ እዮም
- ናይ ምምጻው መጠን 90 – 95 ሚእታዊት
ካብ ኣትክልቲ ዝርከብ
ናይ ደንካላያ ካብ ኣትክልቲ ዝርከቡ ሚነራላት ምንጮም፡ ቅድመ ታሪኽ ብሚነራላት ሃብታምን፡ ቅድሚ 75 ሚልዮን ዓመታት ዝነበረ ጽዑቕ ዱር’ዩ። ንሚልዮን ዓመታት ካብ ዓለም ተደቢቑ ዝነበረ፡ ነዚ ናይ ጥንታዊ ናይ ኣትክልቲ ነገራት ዝሓዘ ናይ ሂሚክ ድርዒ፡ ብጥንቃቐ ካብ መሬት ዝወጸን፡ ልዕሊ ዝነቀጸ ጽፍሒ ናይ ባሕርን ‘ቤንቶናይት ክለይ’ን ዝበለጸ ሚነራላት ዘለዎ ውጽኢት ንኽከውን ዝተመስርሐን’ዩ።
ፈሳሲ ናይ ‘ኮሎይዳል’ ቅርጺ
ብኣትክልቲ ካብ ሓመድ ዝምጸዉ ሚነራላት፡ ናብ ኮሎይዳል እዮም ዝቕየሩ፡ ዝያዳ ተሰሓብትን “ባዮአቬሌብል”ን እዮም።
ዝተመሓየሸ ባዮአቬሌብሊቲን ዲቶክሲፊኬሽን
ካብ ኣትክልቲ ዝርከቡ ሚነራላት ዘለዎም ኔጋቲቭ ኤሌክትሪካል ቻርጅ፡ ንኣካላትና ኣብ መስርሕ ዲቶክሲፊኬሽን ጥራሕ ኣይኮነን ዝሕግዝዎ ብተወሳኺ’ውን ኣብ ምግዕዓዝ መኣዛታትን፡ ምምሕያሽ ባዮአቬሌብሊቲን የሳስዮ እዩ።
ንጹህን ተፈጥርኣውን
ንካብ ኣትክልቲ ዝርከቡ ሚነራላት ካብ ሂሚክ ድርዒ ንምውጻእ ዝግበር መስርሕ፡ ካብ ፈለማ ክሳብ መዛዘሚ እዩ ጥንቃቐ ዘለዎ ክትትል ዝግበረሉ። ሓንሳብ ኣብ ዝዕደነሉ ኣብ ዝመኸነ መትሓዚ ብተፈጥርኣዊ ፈልፋሊ ማይ እዩ ዝኽዘን። እቲ ውጽኢት ንጹህ፡ ካብ ኣትክልቲ ዝርከብ ማዕድን ኮይኑ፡ ብዘይ ዝኾነ መዐቀቢ፡ ተወሳኺ፡ መማቕርቲ ወይ ዝኾነ ባህርያዊ ዘይኮነ (‘ፕሪዘርቫቲቭ’ ፣ ‘አዲቲቭስ’፣ ‘ፍላቮሪንግ’) ነገራት እዩ።