መዓልታዊ 90 ፓኬት ሓርጭ ነቶም ብሰንኪ ኣብ’ዚ ምዕቡል እዋን ብዝተኣታተዉ ናይ ሕርሻ ኣገባባት ኣብ ብዙሓት መግብታትና ዘይንረኽቦም ዘለና ቫይታሚናት፡ ሚነራላት፡ ኣሚኖኣሲዳት ከምኡ’ውን ኣገደስቲ ስብሓውያን ኣሲዳት ንምትክኦም ዝተነደፈ እዩ። እዚ ብርቱዕ ቅማረ ሕውስዋስ፡ ልዕሊ 90 ኣገደስቲ ቫይታሚናት፣ ኣሚኖ ኣሲዳት ከምኡ’ድማ ኩሉ መግብታት፡ ተወሰኽቲ ካልሽዩም፡ ቫይታሚን ዲ3 ከምኡ’ውን ማንግኔጅዩም ንናይ ዓጽሚ ደገፍ፣ ምስ ሕውስዋስ ዘይቲ ኦሜጋ ተጻሚዱ፡ ብዘይካ’ዚ ዝተወሃሃደ መስተኻኸሊ ናይ ደም ግልኮስ መጠን ብጸረ ኡክሰዳ ሃብታም ኮይኑ፡ ብፍላይ ንኣካላትና ንዝኮነ ዓይነት ጸቕጥን፡ ንውጥረት ሂወት ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ንክቃለስ ሓጋዚ ኢዩ።
እዚ ጥማሮ ዝሕዞ ፡
እዚ ፍርያት ብቪታሚናትን ማዕድናትን ሃብታም ዝኾነ ማእዛታት ዝሓዘለ ኢዩ። ነቶም ብሰነኪ ዘመናዊ ኣጋባብ ስርዓተ-ሕርሻ እናጎደሉ ዝኸዱ ዘለዉ ትሕዝቶታት ቫይታሚናትን ማዕድናትን ክትከኦም ዝኽእል ‘ውን ኢዩ። ቕማረ ናይዚ 90 ኣገደስቲ ቫይታሚናት፡ ኣሚኖ ኣሲዳትን ካልኦትን ዝሓዘ እዩ። እዚ ከኒና ‘ዚ ብጸረ-ኦክሲዳ ሃብታም ኮይኑ ነቲ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ብልዑል ጸቕጢ ተዋጢሩ ዝርከብ ኣካላትካ ነቲ ዘለዎ ጭንቀት ክብድህ ሓጋዚ ኢዩ።
- ኣገዳሲ ሕውስዋስ ናይ ጨንገር “ፓይቶኒውትረንት” ን ካብ ተኽሊ ዝርከብ መቓውምቲን ዘለዎ ኮይኑ ብሉጽ ጸረ-ኦክሲዳ ውን ኣለዎ
- ልዑል ትሕዝቶ ቫይታሚን ቢ ዘለዎ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ኣብ ኣካላትና ልዑል ቀረብ ናይ ጸዓት ንኽህሉ ብምድራኽ ድኻምን ቀጨውጨውን ዘጉድል ኢዩ
- ቫይታሚን ቢ1, ቢ2, ቢ6ን ቢ12 ውን ዘለዎ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ድኻምን ረሸሽታን የጉድል
- ቫይታሚን ሲ፣ ስርዓተ-ምክልኻል ሕማማት ኣካላትካ ብግቡእ ንኽሰርሕ ዝሕግዝ ኢዩ
- ልዑል ትሕዝቶ መተሓውስቲ፣ ንኣብነት ውጺኢት ባክተርያዊ ምውህሃድ ዝኾነ ትሕዝቶ፣ መቓውምቲ ብቐሊሉ ንኽምጸዩ ዝድርኽ ባእታ
- ኣገደስቲ ጸረ-ኦክሲዳ ማለት ቫይታሚን ኤ፣ ሲን ኢን ኣካል ትሕዝተኡ ኮይኖም ንኣካላትና ካብ ፍሪ ራዲካልስ ይከላኸልሉ። ፍሪ ራዲካላት ዘይቀወምቲ ሞሎኲላት ኮይኖም፡ ዋህዮታት ኣካላትና ከዕንዉ ዝኽእሉ ከምኡ’ውን ምስ ገለ ሕማማትን ቕድሚ ግቡእ ዕድመ ዝረአ ዕቤት ዘቃልዑ እዮም።
- ፎሊክ ኣሲድ ድማ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ብግቡእ ንጥፈታቶም ንኸካይዱ ዝሕግዝ ትሕዝቶ ኢዩ
ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን
ኣልቲሜት ኦሜጋ 3፣ 6ን 9 - 90 ሶፍት ጄል ለቖታት
ናይ ኦሜጋ 3 -6-9 ለቖታት ብጥንቓቐ ዝተቐመረ ሕውስዋስ ናይ ዓሳ፡ፈረ እንጣጢዕን ዘይቲ ቦራጂነን እዩ። ኣካላትና ነዞም ኣገደስቲ ስብሓውያን ኣሲዳት ከዳልዎ ስለዘይኽእል፡ ብመንገዲ ኣመጋግባና ክንረኽቦም ይግባና፡ ወይ ድማ ኣበርክተኦም ኣብ ፊዘለጂካዊ ንጥፈታት ኣካላትና ወሳኒ’ዩ።
ኦሜጋ 3 ካብ EPA (ኤኮሳፐንታኖይክ አሲድ) ን DHA (ዶኮሳሄክሳኖይክ አሲድ) ዝተሰርሐ እዩ። ኣብ ምጉዳል ኣካላዊ ነድርን ኩነተ-ኣእምሮ ክብ ኣብ ምባልን ልዑል ተራ ይጻወት። ካብቶም ምንጪ ዘይቲ ዓሳ ምዃኖም ዝፍለጥ ሳርዲን፡ ማክረልን ሳልሞንን ዝተባህሉ ዓሳታት ድማ ክርከብ ይከኣል። ብተወሳኺ፣ ዓሳ ናብ EPAን DHAን ዝልውጥ ALA (አልፋ-ሊኖልኒክ አሲድ) ዝተባህለ ተፈጥሮኣዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ‘ውን ኢዩ። ነዚ መስርሕ ድማ ኣካልትና ኣብ ናይ ደቃይቅ እዋን ክፍጽሞ ይኽእል።
ኦሜጋ 6 ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዘይቲ፡ ኣዝርእትን ካዕካዕን ዝርከብ ኮይኑ ብ “ሊኖልኒክ አሲድ” ን “ጋማ-ሊኖልኒክ አሲድ” ዝተባህሉ ኣሲዳት ዝተሰርሐ ድማ ኢዩ።
ኦሜጋ 9 ኣብ ብዙሕ መግብታት ማለት ኣዝርእትን ፍረታትን፡ ካዕካዕ፣ ኣሕምልትን ናይ ናይ ዘይቲ ኣዝርእትን ይርከብ።
ኦሜጋ 3-6-9 ብጥንቃቐ ፡ ኣብ መንጎ እቶም ስብሓውያን ኣሲዳት ዝርከብ ተመቃራሕነት ብልክዕ ዝተቀመረ እዩ። ፍርያትና ዝለዓለ ሬሾ ናይ ኦሜጋ 3 ማለት ናይ ዓሳን እንጣጢዕን፡ ኦሜጋ 6’ ካብ ቦጂነን ዘይቲ እንጣጢዕን፡ ከምኡ’ውን ኦሜጋ 9 ብመልክዕ ኦሊክ አሲድ ካብ ዘይቲ እንጣጢዕን የዋድድ። ናይ ደንካልያ ኦሜጋ 3-6-9 ኣልቲሜት ኦሜጋ፡ ዘይንጽህና ንምውጋድ ብኣየራዊ ናይትሮጅን ዝተዓሸገ እዩ።
ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን