ናይ ኣትክልቲ ኢንዛይም - 90 ለቖታ

$52.95
መስርሕ ምሕቃቕ መግቢ ኣካላትካ ካብ እትበልዖም መግብታት መኣዛታት ንምምዝማዝ ይሕግዞ

ንምስብባር ፕሮቲናት፡ ካርቦሃይድሬትን ስብሕን ደገፍ ዝህብ፡ ናይ ኪኢላታት ምቕንባር መሕቀቒ ኢንዛይም

ሃይድሮክሎሪክ አሲድን ዝድርዕ “ቢቴን ሃይድሮክሎራይድ” ዝሓዘ እዩ

ኣትክልቲ መሰረት ዝገበረ፣ ኣሕምልቲ ጥራሕ ናይ ዝምገቡ መወሰኽታ (ሳፕሊመንት)

    ኣብ ኣትክልቲ ጥራሕ ዝርከቡ ኢንዛይም፡ካብ እንስሳታት ክርከብ ብዘይኽእል ኢንዛይም ንስርዓተ ምሕቓቕ መግቢ ከምኡ’ውን ምምጻው መእዛታት ናብ ሰብነትካን ደገፍ ዝገብር ዝተሓላለኸ ባህርያት እዩ ዘለዎ። ኣብ መዓልቲ ካብ 1 – 3 ናይ ኣትክልቲ ኢንዛይም ብምውሳድ፡ ኣካላትካ ዝተሓገዘ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ከካይድን ሰውነትካ ዘድልዮ መኣዛታት ከምዝወሰደ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ።
Size Guide
$52.95
Add to Wish List

መስርሕ ምሕቃቕ መግቢ ሓደ ዝተሓላለኸ ስርዓት ኮይኑ፡ መግቢ ብኣብ ጣፍታ (ፓንክርያስ)ን ቀጢን መዓንታን ዝፈረዩ ኢንዛይማት መሕቐቒ ነቲ መግቢ ሰባቢሩ ናብ መእዛታት እዩ ዘሰጋግሮም። ዝኣኽሉ ናይ መሕቐቒ ኢንዛይም ምስ ዘይህልወና ኣካላትና ንመስርሕ ምስብብራ መግቢ ምሉእ ብምሉእ ከሰላስሎ ይጽገም እዩ። ወላ’ውን ዝኣኽል ጥዑይን ዝተመጣጠነ ኣመጋግባን ይሃልወና፡ መኣዛታት ግን ብግቡእ ክምጸዉ ኣይኽእሉን። ምፍራይ ኢንዛይማት ናይ መሕቐቒ፡ ብሓሳስያን ናይ መግቢ፡ ትሑት መጠን ናይ ከስዐ ኣሲድ ከምኡ’ውን ሕዱር ጸቕጢ ክጽሎ ይኽእል እዩ። ድሕሪ መግቢ ተወሳኺ ናይ መሕቐቒ ኢንዛይም ዘድልየካ ኮይኑ ምስ ዝስምዐካ፡ ለቖታት ናይ ኣትክልቲ ኢንዛይም ክሕግዛካ ይኽእል እዩ። እዚ ብኪኢላታት ዝተቐመረ ፡ ፕሮቲዝ፣ ላክቴስ፣ ሊፔስ፣ ብሮምሌን፣ ሴሉሎስ፣ ፓፔን፣ ኢቨርቴስ፣ ማልቴስ እና አልፋ ግላኮቶሲዴስ፣ ከምኡ’ውን ቢቴን ሀይድሮክሎራይድን ዘጠቃለልለ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኢንዛይም ንዝተፈላለየ ዓይነት ጉጅለታት መግቢ ዕላማ ዝገብረ ኮይኑ፡ ብኩለንትናኣዊ ኣቐራርባ ንመስርሕ ምሕቓቕ ካብ ደረጃ መግቢ ናብ ደረጃ መኣዛታት የሰላስሉ። ፍርያትና ዝኾነ ናይ ኣትክልቲ ኢንዛይም ብተወሳኺ ቢቴን HCl(ሀይድሮክሎራይድ) ዝሓዘ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ናይ ከስዐን ኣሲድ ዳግማይ ክትካእ ከምኡ’ውን ውጽኢታዊ ምሕቃቕ ፕሮቲን፡ ምስብባር ካርቦሃይድሬይት ከምኡ’ውን ምምጻው ስብሒ የተባብዕ። ዝምእምእ ደረጃ ናይ ከስዐና ኣሲድ ብተወሳኺ ንግቡእ ምምጻው ናይ ሚኒነራላት ከም ካልሹም፡ ማግኔጅዩም ከምኡ’ውን ኣይሮን ኣገዳሲ እዩ። ኣሲድ ናይ ከስዐና ንወሳኒ ናይ ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ኣንጻር ሚክሮብ፡ ይስት፣ ቫይረስ ከምኡ’ውን ካልኦት ጎዳእቲ ኣጥቓዕቲ ኣካልትና የቕውም’ዩ። ትሑት መጠን ናይ ከስዐ ኣሲድ ምስ ናይ ልዕሊ መጠን ምፍራይ ናይ ከስዐ ኣሲድ ዝገራጮ ወይ ዘጋጊ ምልክታት ከም ዳግመ ውሕዘት ኣሲድ፡ቃጸሎ ልቢ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ሰባት ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን 

2-3 ለቖታታት ቕድሚ ግቡእ መግቢ (ላርጅ ሚል)፡ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ክውሰድ ይግባእ።

ኣብ ዝሑልን፣ ጩራ ጸሓይ ብቀጥታ ኣብ ዘይረክቦ ንቑጽ ኣካባቢ ክቕመጥ ይከኣል። ኣብ ፍሪጅ ምቕማጡ ኣየድልን።

ሕቶ ኣለኩም?ንኪኢላ ሕተት
The cookie settings on this website are set to 'allow all cookies' to give you the very best experience. Please click Accept Cookies to continue to use the site.
ናይ ኣትክልቲ ኢንዛይም - 90 ለቖታ
You have successfully subscribed!