ቫይታሚን ዲ3 10,000 IU (250µg) ለቖታት

$53.95
ተሪርን ጥዑይን ኣስናንን ኣዕጽምትን ንኽህልወና ሓጋዚ ዝኾነ

ጭዋዳታት ብግቡእ ክሰርሑ ዝሕግዝ

ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ይድግፍ

ካልሽየም ከምዝሓቅቕ ዝገብር

    ብሉጽ ማእዛዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ቫይታሚን ዲ3, ቫይታሚን ከ1ን ከ2 ትሕዝቶ ንኽህልዎ ዝተዳልወ ኮይኑ፣ ቫይታሚን ዲ ድማ ኣብ ደምና ዝህሉ ዓቐን ናይ ካልሽየም ዘመዓራሪ ኢዩ። ቫይታሚን ከ ድማ ኣብ ኣዕጽምትና ዝህሉ ዓቐን ናይ ካልሽየም ከምዝውስኽ ብምግባር፣ ነቲ ኣብ ደምና ብልዑል ዓቐን ናይ ካልሽየም ከምዘይእከብ ዝግበር ኢዩ።
Size Guide
$53.95

ናይ ደንከሊያ ቪታሚን ዲ3 10,000 IU (250µg) ለቖታ መድሃኒት እምበኣርከስ ቫይታሚን ዲ ጎኒ ጎኒ ከ1ን ከ2ን ብሓባር ብምውህሃድ ኣብ ኣካላትና በቐሊሉ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝኽእል ንድፊ የዳሉ - ዲ3። ንምሉእ ጥዕና ዝድግፍ ኮይኑ፡ “ሳን ሻይን ቫይታሚን” ፡ እልቢ ዘይብሉ ጥቕምታት ዘለዎ ኮይኑ ብፍላይ ድማ ንስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ኣካላትና።

ኣብ ዓለምና ልዕሊ 1 ቢልዮን ሰባት ትሑት ዓቐን ናይ ቫይታሚን ዲ ዘለዎም እዮም። ኣገዳስነት ናይዚ ‘ናይ ጩራ ጸሓይ ቫይታሚን’ ተባሂሉ ዝፍለጥን ኣብ ስብሒ ክሓቕቕ ኣኽእሎ ዘለዎ ቫይታሚን፡ ንናይ ካልሽዩም ምምጻው የተባብዕ፡ ንጥዑይን ድልዱልን ዓጽምን ስንን ክንውንን ይሕግዘና። ናይ ደንካልያ ቫይታሚን ዲ3 ድማ ብቐሊሉ ዝሓቅቕ ዓይነት ቫይታሚን ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ ምስትኽኻል ስርዓተ ኣማጋግባናን ሜላ መንብሮናን፡ ተወሳኺ ቫይታሚን ዲ3 ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ክረምቲ ወቕቲ።

ኣስተዋጽኦ ቫይታሚን ዲ፡

  • ንንቡር ስራሕ ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት የኽእል
  • ዱልዱል ዓጽምን ተሪር ኣስናንን ንኽህልወና ይሕግዝ
  • ካልሽየምን ፎስፈርስን ብቐሊሉ ከምዝሓቅቕ ይገብር
  • ንመጠን ካልሽዩም ኣብ ደምና ኣብ ምስትክኻል ተራ ይጻወት
  • ጥዕና ጭዋዳታትና ብምሕላው ብግቡእ ንኽንቀሳቐሱ ደገፍ ይህብ

ኣስተዋጽኦ ቫይታሚን ኬይ፡

  • ደም ብቐሉል ከምዝረግእ ይገብር
  • ጥዕነኡ ዝተሓለወ ኣዕጽምቲ ንኽህልወና ይሕግዝ

ቫይታሚን ዲን ከይን ብሓባር’ዮም ዝነጥፉ

ኣብ መታቦላ ናይ ካልሽዩም ምስ እንመጽእ፡ ቫይታሚን ዲ ን ከይን ብሓባር እዮም ዝሰርሑ። ክልቲኦም ድማ ኣገዳሲ ተራ እዩ ዘለዎም።

ተራ ቫይታሚን ዲ

ሓደ ካብ ኣገደስቲ ስርሓት ቫይታሚን ዲ፡ ንመጠን ካልሽዩም ኣብ ደም እዩ ዘመዓራሪ።

ቫይታሚን ዲ ነዚ ክገብረሉ ዝኽእለሉ ክልተ መንገድታት፡

  • ንናይ ካልሽዩም ምምጻው የተባብዕ፡ ቫይታሚን ዲ ንምምጻው ካልሽዩም ካብ እትበልዖም መግብታት ይድርኽ።
  • ምውሳድ ካልሽዩም ካብ ኣዕጽምቲ፡ እኩል ካልሽዩም ምስ ዘይተሀልኽ፡ ቫይታሚን ዲ ንቀንዲ ምንጪ ካልሽዩም ንኣዕጽምቲ ኣብ ኣካላት ምርኩስ ብምግባር፡ ዓቀኑ ኣብ ደም የተባብዕ።

እኩል መጠን ካልሽዩም ኣብ ደም ምስትኽኻል ወይ ምህላው ኣገዳሲ እዩ። ንብዙሕ ንጥፈታት ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ፡ ኣብ ጥዕናና ሰፍ ዘይብል ኣገዳስነት እዩ ዘለዎ።

እኩል መጠን ካልሹም ትወስድ ኣብ ዘይትህልወሉ እዋን፡ ኣካልትና ነቲ ኣብ ኣዕጽምትና ዘሎ ክዙን ካልሽዩም ካብ ምውሳድ ካልእ ምርጫ የብሉን። እዚ ድማ ምስ ግዜ ድኽመት ኣዕጽምትን ኦስቲኦፖሮሲስ የኸትል።

ተራ ቫይታሚን ከይ

ኣብ ላዕሊ ከም እተገልጸ፡ ቫይትኣምኒ ዲ መጠን ካልጡም ኣብ ኣካላት ብምርግጋጽ፡ ንጠለባት ሰውነትካ እዩ ዝከታተል።

እንተኮነ ግን፡ ቫይታሚን ዲ ንኩሉ መጠን ካልሽዩም ናይ ምቑጽጻር ስርሓት ክከታተል ኣይኽእልን። ኣብዚ እዩ እመኣር ተራ ናይ ቫይታሚን ከይ ዝመጽእ።

ቫይታሚን ከይ መጠን ካልሹም ኣብ ኣካላትና ብኽልተ መንገዲ የመዓራሪ፡

  • ንድበት ካልሽዩም ኣብ ደም የተባብዕ፡ ቫይታሚን ከይ፡ ኣ ብምኽዛን ካልሽዩም ኣብ ኣስናን ኣዕጽምትን ተራ ዘለዎ ኦስቲኦካልሲን ዝተባህለ ፕሮቲን የነቓቕሕ።
  • ንድበት ካሽዩም ኣብ ፈኮስቲ ቲሹታት የግድል፡ ቫይታሚን ከይ ማትሪክስ ጂኤልኤ ዝተባህለ ፕሮቲን የተባብዕ፡ እዚ ድማ ካልሽዩም ኣብ ከም ኩሊትን ሱር ደምን ዝኣመሰሉ ፈኮስቲ ትሹታት ንከይክዘን ይከላኸል።

ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን 

2 ለቖታታት ቅድሚ መግቢ ወይ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ክውሰድ ይግባእ።

ኣብ ዝሑል፡ ወይ ቀጥታዊ ናይ ጸሓይ ጩራ ዘይረኽቦ ንቑጽ ቦታ ኣቐምጦ። ፍርጅ ምጥቃም ኣየድልን።

ሕቶ ኣለኩም?ንኪኢላ ሕተት
The cookie settings on this website are set to 'allow all cookies' to give you the very best experience. Please click Accept Cookies to continue to use the site.
ቫይታሚን ዲ3 10,000 IU (250µg) ለቖታት
You have successfully subscribed!