ናይ ደም ግልኮስ መምሓየሺ ጥማሮ (ሓርጭ/ሓርጭ)

$246.95

ሓያል ሕውስዋስ ብዝሐ-ቫይታሚናዊ ናይ ሚነራል ሓርጭ፣ ደገፍ ናይ ኣዕጽምቲ ሓርጭ ከምኡ’ውን ኦሜጋ 3-6-9ን ናይ ደም ግልኮስ መመሓየሺ

ልዕሊ 60 ካብ ኣትክልቲ ዝርከቡ ሚነራላት ዝሓዘለ፣ 16 ቫይታሚናት፣ 12 ኣሚኖ ኣሲዳት፣ 3 ኣገደስቲ ስብሓውያን ኣሲዳት ምስ ዝያዳ ግልኮሳሚን 

ብልዑል መጠን ክምጸዉ ብዝኽእል ናይ መኣዛታት መልክዕ ዝተዳለወ ከምኡ ድማ ኣገደስቲ ካልኦት ረቛሒታት 

ሃብታም ብጸረ-ኡክሰዳ (ቫይታሚን ኤ፣ሲ ከምኡ’ውን ኢ) ካብ ብነጻ ራዲካላት (ሱር-ነቀላውያን ባእታታት)ዝመጽእ ዕንወት ዝከላኸል

ጸቕጢ፡ ስልካየ ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ቀጨውጨው ምባልን ንምቅላስ ዝሕግዝ

Size Guide
$246.95

ናይ ደም ሽኾር መስተኻኸሊ ፓኬት (ሓርጭ/ሓርጭ) ፡ ነቶም ብሰንኪ ኣብ’ዚ ምዕቡል እዋን ብዝተኣታተዉ ናይ ሕርሻ ኣገባባት ኣብ ብዙሓት መግብታትና ዘይንረኽቦም ዘለና ቫይታሚናት፡ ሚነራላት፡ ኣሚኖኣሲዳት ከምኡ’ውን ኣገደስቲ ስብሓውያን ኣሲዳት ንምትክኦም ዝተነደፈ እዩ። እዚ ብርቱዕ ቅማረ ሕውስዋስ፡ ልዕሊ 90 ኣገደስቲ ቫይታሚናት፣ ኣሚኖ ኣሲዳት ከምኡ’ድማ ኩሉ መግብታት፡ ተወሰኽቲ ካልሽዩም፡ ቫይታሚን ዲ3 ከምኡ’ውን ማንግኔጅዩም ንናይ ዓጽሚ ደገፍ፣ ምስ ሕውስዋስ ዘይቲ ኦሜጋ ተጻሚዱ፡ ብዘይካ’ዚ ዝተወሃሃደ መስተኻኸሊ ናይ ደም ግልኮስ መጠን ብጸረ ኡክሰዳ ሃብታም ኮይኑ፡ ብፍላይ ንኣካላትና ንዝኮነ ዓይነት ጸቕጥን፡ ንውጥረት ሂወት ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ክቃለስን’ዩ።

እዚ ጥማሮ ዝሕዞ ፦

ብዝሐ-ቫይታሚናዊን ሚነራላውን ሓርጭ - 30 ቀረብ 

እዚ ፍርያት ብቪታሚናትን ማዕድናትን ሃብታም ዝኾነ ኢዩ። ነቶም ብሰነኪ ዘመናዊ ኣጋባብ ስርዓተ-ሕርሻ ፍሩታታን ኣሕምልትን እንዳጎደሉ ዝኸዱ ዘለዉ ትሕዝቶታት ቫይታሚናትን ማዕድናትን ክትከኦም ዝኽእል ‘ውን ኢዩ። ቅማረ ናይ’ዚ ፈሳሲ ልዕሊ 90 ኣገደስቲ፡ ቫይታሚናት፡ ኣሚኖ ኣሲዳትን ካልኦትን ዝተሰከመ እዩ። ሃብታም ብጸረ-ኦክሲዳ ኮይኑ፡ 115 ፍረታትን ኣሕምልትን ኣለዎ። ነቲ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ብልዑል ጸቕጢ ተዋጢሩ ዝርከብ ኣካላትካ ነቲ ዘለዎ ጭንቀት ኽብድህ ሓጋዚ ኢዩ።

ሕውስዋስ ናይ ኮምፓውንድስ፡ ኣትክልቲ መሰረት ዝገበረ መቃምምቲ ከምኡ’ውን ብጸረ-ኡክሰዳን ዝሰልጠነ

    • ኣገዳሲ ሕውስዋስ ናይ ጨንገር (ፓይቶኒውትረንት)ን ካብ ተኽሊ ዝርከብ መቓውምቲን ዘለዎ ኮይኑ ብሉጽ ጸረ-ኦክሲዳ ውን ኣለዎ
    • ልዑል ትሕዝቶ ቫይታሚን ቢ ዘለዎ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ኣብ ኣካላትና ልዑል ቀረብ ናይ ጸዓት ንኽህሉ ብምድራኽ ድኻምን ቀጨውጨውን ዘጉድል ኢዩ
    • ቫይታሚን ቢ1, ቢ2, ቢ6ን ቢ12 ውን ዘለዎ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ድኻምን ረሸሽታን የጉድል
    • ቫይታሚን ሲ፣ ስርዓተ-ምክልኻል ሕማማት ኣካላትካ ብግቡእ ንኽሰርሕ ዝሕግዝ ኢዩ
    • ልዑል ትሕዝቶ መተሓውስቲ ንኣብነት ውጺኢት ባክተርያዊ ምውህሃድ ዝኾነ ትሕዝቶ፣ መቓውምቲ ብቐሊሉ ንኽምጸዩ ዝድርኽ ባእታ
    • ኣገደስቲ ጸረ-ኦክሲዳ ማለት ቫይታሚን ኤ፣ ሲን ኢን ‘ውን ኣካል ትሕዝተኡ ኮይኖም ንኣካላትና ካብ ፍሪ ራዲካልስ ይከላኸልሉ። ፍሪ ራዲካላት ዘይቀወምቲ ሞሎኲላት ኮይኖም፡ ዋህዮታት ኣካላትና ከዕንዉ ዝኽእሉ ከምኡ’ውን ምስ ገለ ሕማማትን ቕድሚ ግቡእ ዕድመ ዝረአ ዕቤት ዘቃልዑ እዮም
    • ፎሊክ ኣሲድ ድማ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ብግቡእ ንጥፈታቶም ንኸካይዱ ዝሕግዝ ትሕዝቶ ኢዩ

    ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን 

    ናይ ኣዕጽምቲ መደልደሊ ሓርጭ - 30 ቀረብ

    ናይ ደንካልያ ናይ ኣዕጽምቲ ደገፍ ሓርጭ፡ ንጥዕና ኣዕጽምቲ ኣገደስቲ ዝኾኑ 7 ቀንዲ መኣዛታት ከቕርብ ዝተቀመረ እዩ። ሓገዝቲ ማዕድናትን ተዛመድትቲ ፍርያትን የዳሉ። ዕድመ እናወሰኽና ኣብ እንኸደሉ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ንእስነት እዋን ኣዕጽምቲ ንምሕዳስ ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ድማ ነቲ ብፍላይ ኣብ ደቂኣንስትዮ ኣብ ድሕሪ ንጽፈተ-ጻግነኣዊ እዋን ዝኽሰት ነድሪ ዓጽሚ (ኦስቲኦፖሮሲስ) ዘቃልዕ ኢዩ።

    ኣዕጽምትና ሂወት ዘለዎ ቲሹ ኮይኑ ተጓርንኣዊ ተመርኳስነት ብምግባር ኣብ ውሽጢ ኣካላትና ነብሰ-ህንጸት የካይድ። ዝኣረጉ ኣዕጽምቲ ብመስርሕ፡ ኦስቲኦክላስትስ ክሰባበሩ ከለዉ ሓደስቲ ኣዕጽምቲ ድማ ብኦስቲኦብላስትስ ይትከኡ። እዚ መስርሕ ሚዛኑ ዝሓለወ ምስ ዘይከወን ጸገማት ክፍጠር ይኽእል።

    ብዕድመ ኣብ ፍርቂ 30ታት ምስ በጻሕና ድማ ኣብ ኣካላትና ካብ ዝፍጠር ዓጽሚ ዝኣርግ ዓጽሚ እንዳበዘሐ ይኸይድ። ስለዚ ድማ ‘ዩ ቅድሚ ምእካል እዚ ዕድመ እዚ ውጽኢታዊ ግቡእ ጻዕቒ ኣዕድምቲ ክህልወና ዘለዎ። ኣመጋግባና ኮነ ቕዲ ሂወትና ንጥዕና ኣዕጽምትና ብዓቢ መልክዑ’ዩ ዝጸልዎ፡ ከምኡ’ውን ስነ-ሰረታዊ ድሕረ-ባይታና።

    ደንከልያ ናይ ኣዕጽምቲ መደልደሊ ሓርጭ፡ ብምውህሃድ “አሚኖ አሲድ ቸላትስ” ፣ “ሲትራትስ” ን “ማላትስ” ኮይኑ፡ ኣብ ኹሉ ደረጃታት ዕድመ ክምጸዉ ዝኽእሉ ሚነራላትን ከምኡ’ውን ድኹም ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ዘለዎም ከይተረፉ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።

    እቲ ዝበለጸ ትሕዝቶ ካሊስዮም ኮይኑ፣ ብግቡእ ንኽምጾ ድማ ቫይታሚን ዲን ሜም.ኤስ. ኤምን የድልይዎ። ንሕና እነዳልዎ ንጥዕና ዓጽሚ ኣገዳሲ ዝኾነ ፈሳሲ ድማ ነዚ ንምምላስ ብውሕልነት ዝተቐመረ ኢዩ።

    • ዝማዕበለ ትሕዝቶ ካልሽየም ዘለዎን ኣብ ጥዕና ኣዕጽምቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ማኣዛ ዝተሕዝተኡ
    • ንዓጽሚ ኣገደስቲ ዝኾኑ ቫይታሚናትን ማዕድናትን ዘለዎ ኢዩ
    • ንዓጽሚ ኣገደስቲ ዝኾኑ ማእዝታት ትረክብ ከምዘለኻ ዘረጋግጽ 
    • ካልሽዩም - ምህላው ኖርማል ኣዕጽምቲ
    • ካልሽዩም - ምጉዳል ጻዕቒ ሚነራላት ኣብ ዓጽሚ ኣብ ብድሕሪ ንጽፈተ-ጻግነኣዊ ዝሓለፋ ደቂ ኣንስትዮ ይከላኸል። ትሑት ናይ ሚነራል ጻዕቒ፡ ሓደ ሓደጋ ረቋሒ ኦስቲኦፖሮቲካዊ ናይ ዓጽሚ መንቃዕቲ’ዩ።
    • ቫይታሚን ድ3, ዚንክን ማግነሽዩምን ድማ ንጥዕና ዓጽምን ጭዋዳን ኣገደስቲ ኢዮም
    • ኮፐር - ኣብ ጥዕና ኣለጋገብቲ ቲሹታት ኣስተዋጽኦ ኣለዎ
    • ማግኔይዝ - ንቡር ስራሕ ኣለጋገብቲ ቲሹታትን ህላወ ንቡር ኣዕጽምትን ኣስተዋጽኦ ኣለዎ።
    • ሜም.ኤስ. ኤም - ንኣገደስቲ ስርሓት ኣብ ኣካላትና ተራ ዘለዎ ሳልፈር የዋድድ።

    ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን 

    ኣልቲሜት ኦሜጋ 3፣ 6ን 9 - 90 ሶፍት ጄል ለቖታት

    ናይ ኦሜጋ 3 -6-9 ለቖታት ብጥንቓቐ ዝተቐመረ ሕውስዋስ ናይ ዓሳ፡ፈረ እንጣጢዕን ዘይቲ ቦራጂነን እዩ። ኣካላትና ነዞም ኣገደስቲ ስብሓውያን ኣሲዳት ከዳልዎ ስለዘይኽእል፡ ብመንገዲ ኣመጋግባና ክንረኽቦም ይግባና፡ ወይ ድማ ኣበርክተኦም ኣብ ፊዘለጂካዊ ንጥፈታት ኣካላትና ወሳኒ’ዩ።

    ኦሜጋ 3 ካብ EPA (ኤኮሳፐንታኖይክ አሲድ) ን DHA (ዶኮሳሄክሳኖይክ አሲድ) ዝተሰርሐ እዩ።  ኣብ ምጉዳል ኣካላዊ ነድርን ኩነተ-ኣእምሮ ክብ ኣብ ምባልን ልዑል ተራ ይጻወት። ካብቶም ምንጪ ዘይቲ ዓሳ ምዃኖም ዝፍለጥ ሳርዲን፡ ማክረልን ሳልሞንን ዝተባህሉ ዓሳታት ድማ ክርከብ ይከኣል። ብተወሳኺ፣ ዓሳ ናብ EPAን DHAን ዝልውጥ ALA (አልፋ-ሊኖልኒክ አሲድ) ዝተባህለ ተፈጥሮኣዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ‘ውን ኢዩ። ነዚ መስርሕ ድማ ኣካልትና ኣብ ናይ ደቃይቅ እዋን ክፍጽሞ ይኽእል።

    ኦሜጋ 6 ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዘይቲ፡ ኣዝርእትን ካዕካዕን ዝርከብ ኮይኑ ብ “ሊኖልኒክ አሲድ” ን “ጋማ-ሊኖልኒክ አሲድ” ዝተባህሉ ኣሲዳት ዝተሰርሐ ድማ ኢዩ።

    ኦሜጋ 9 ኣብ ብዙሕ መግብታት ማለት ኣዝርእትን ፍረታትን፡ ካዕካዕ፣ ኣሕምልትን ናይ ናይ ዘይቲ ኣዝርእትን ይርከብ።

    ኦሜጋ 3-6-9 ብጥንቃቐ ፡ ኣብ መንጎ እቶም ስብሓውያን ኣሲዳት ዝርከብ ተመቃራሕነት ብልክዕ ዝተቀመረ እዩ። ፍርያትና ዝለዓለ ሬሾ ናይ ኦሜጋ 3 ማለት ናይ ዓሳን እንጣጢዕን፡ ኦሜጋ 6’ ካብ ቦጂነን ዘይቲ እንጣጢዕን፡ ከምኡ’ውን ኦሜጋ 9 ብመልክዕ ኦሊክ አሲድ ካብ ዘይቲ እንጣጢዕን የዋድድ። ናይ ደንካልያ ኦሜጋ 3-6-9 ኣልቲሜት ኦሜጋ፡ ዘይንጽህና ንምውጋድ ብኣየራዊ ናይትሮጅን ዝተዓሸገ እዩ።

    ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን 

    ኣብ ደምና ንዝርከብ ናይ ግልኮስ ትሕዝቶ ዘመዓራሪ - 120 ለቖታታት

    መጠን ግልኮስ ኣብ ደም ደገፍ ዝህብ፡ ብዝሰልጠነ ኣገባብ ድብልቕላቕ ናይ ክሮምዩም ኮይኑ፡ ኣገዳሲ ዕጸዋት ቃርፋ፡ ቆጽሊ ጂምና፡ ፍረ ካብ ዓይነታት ብርጭቕን፡ ፍረ ጃምቦላናን ዝተመሓየሸን ዝተወሃሃደን እዩ። ክሮምዩም ኩነታት ትሕዝቶ ኢንሱሊን ኣብ ደምና ዘመዓራሪን ከምኡ ድማ መታበሊካዊ ንጥፈታት ፕሮቲንን ካርቦሃይደርይትንን ካልኦት ማእዛታትን ዘቀላጥፍ ማዕድን ‘ውን ኢዩ።

    ንጡፋት መቃምምቲ

    ብቖጽሊ ጂምና ዝተቃመመ

    ጂምና ሲልቨስትሪ ንብዙሕ ዘመናት ኣብ አዩርቬዲክ ከም ናይ ሽኮርያ መድሃኒት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ነይሩ። ህንዳዊ መጸውዒ ጂምና ‘መዕነዊ ሽኮር’ እዩ።

    ካብ መሪር ዓይነት ብርጭቕ ዝተመዝመዘ ጽሟቕ

    ጽሟቕ እዚ ሓደ ካብ ዓይነታት ብርጭቕ ወይ ካረላ ኣብ ከም ህንዲ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ብዙሕ ሕክምናዊ ጥቕሚ ክውዕል ዝጸነሐ ኢዩ። ንኣብነት፣ ሽኮርያ ዓይነት 2

    ካብ ፈረ ጃምቦላን ዝተቃመመኡ

    እዚ ካልእ ዓይነት ቦታኒካዊ ኮይኑ፡ ኣብ ህንዲ መበቖላዊ እዩ። ንምልክታት ተርእዮ ሕማም ሽኮርያ ድማ ዝግ ከምዘብሎ ይእመነሉ። ጽሟቕ እዚ ዓይነት ዕጸው ድማ ብትሕዝቶ ጽሕጎ፣ ስብሒ፣ ፕሮቲን ዝተፈላለዩ ቫይታሚናትን ማዕድናትን ኣዝዩ ሃብታም እዩ።  እቲ ነዚ ዕጸው ዝፈሪ ዘሪኢ ድማ ኣብ ትሕዞታቱ ንመጠን ሽኮር ኣብ ኣካላትና ዘጉድልን መጠነ ኢንሱሊን ዝውስኽን ጃምቦሊንን ጃምቦሲን ዝተባህሉ ዝሓለ’ውን እዩ።

    ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን 

    ብዝሐ-ቫይታሚናዊን ሚነራላውን ሓርጭ - 30 ቀረብ  - መዓልታዊ 2 መግሓጢ ኣብ 500 ሚሊሊተር ምስ ማይ ወይ ድማ ጽሟቕ ብምብጽባጽ ምስ መግቢ ወይ ድማ ድሕሪ መግቢ ውሰድ ወይ ድማ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ክውሰድ ይከኣል

    ናይ ኣዕጽምቲ መደልደሊ ሓርጭ - 30 ቀረብ - 1 መግሓጢ ናብ 250 ሚሊተር ማይ ወይ ድማ ጽሟቕ ብምሕዋስ ምስ መግቢ ወይ ድማ ድሕሪ መግቢ፡ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ክትወስድ ይግባእ።

    ኣልቲሜት ኦሜጋ 3፣ 6ን 9 - 90 ሶፍት ጄል ለቖታት - ንመዓልቲ ምስ መግቢ ወይ ድማ ድሕሪ መግቢ 3 ለቖታታት፡ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካብዝእዝዞ መሰረት ምውሳድ 

    ኣብ ደምና ንዝርከብ ናይ ግልኮስ ትሕዝቶ ዘመዓራሪ - 120 ለቖታታት - ለቖታታት ንመዓልቲ (ዝበለጸ ቅድሚ መግቢ)፡ ብኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካብዝእዝዞ መሰረት ይውሰድ 

    ኣብ ዛሕሊ ወይ ቀጥታዊ ጩራ ጸሓይ ኣብ ዘይረኽቦ ንቑጽ ቦታ ይቕመጥ።

    እዚ ፍርያት ኣብ መዝሓሊ(ፍርጅ) ክቕመጥ ኣይግባእን።


    ሕቶ ኣለኩም?ንኪኢላ ሕተት
    The cookie settings on this website are set to 'allow all cookies' to give you the very best experience. Please click Accept Cookies to continue to use the site.
    ናይ ደም ግልኮስ መምሓየሺ ጥማሮ (ሓርጭ/ሓርጭ)
    You have successfully subscribed!