መዓልታዊ 90 ፓኬት ፈሳሲ - ሓርጭ/ሉስሉስ ለዝለዝታ (ጀል)

$127.95

ሓደ ካብቶም ሰፊሕ ሕብረ-ብዙሓት ቫይታሚናት ሓርጭ ትሕዝቶ ዘለዎ ትሕዝቶና፡ ምስ ዝተገመተ ኦሜጋ ሕውስዋስ ናይ ኣልቲሜት መኣዛታት ዝድርዕ እዩ።

ልዕሊ 60 ካብ ኣትክልቲ ዝርከቡ ሚነራላት ዝሓዘለ፣ 16 ቫይታሚናት፣ 12 ኣሚኖ ኣሲዳት፣ 3 ኣገደስቲ ስብሓውያን ኣሲዳት ምስ ዝያዳ ግልኮሳሚን

ብልዑል መጠን ክምጸዉ ብዝኽእል ናይ መኣዛታት መልክዕ ዝተዳለወ ከምኡ ድማ ኣገደስቲ ካልኦት ረቛሒታት

ሃብታም ብጸረ-ኡክሰዳ (ቫይታሚን ኤ፣ሲ ከምኡ’ውን ኢ) ካብ ብነጻ ራዲካላት ዝመጽእ ዕንወት ዝከላኸል

ጸቕጢ፡ ስልካየ ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ቀጨውጨው ምባልን ንምቅላስ ዝሕግዝ።

Size Guide
$127.95

መዓልታዊ 90 ጥማሮ ሓርጭ ነቶም ብሰንኪ ኣብ’ዚ ምዕቡል እዋን ብዝተኣታተዉ ናይ ሕርሻ ኣገባባት ኣብ ብዙሓት መግብታትና ዘይንረኽቦም ዘለና ቫይታሚናት፡ ሚነራላት፡ ኣሚኖኣሲዳት ከምኡ’ውን ኣገደስቲ ስብሓውያን ኣሲዳት ንምትክኦም ዝተነደፈ እዩ። እዚ ብርቱዕ ቅማረ ሕውስዋስ፡ ልዕሊ 90 ኣገደስቲ ቫይታሚናት፣ ኣሚኖ ኣሲዳት ከምኡ’ድማ ኩሉ መግብታት፡ ምስ ሕውስዋስ ዘይቲ ኦሜጋ ተጻሚዱ፡ ብጸረ ኡክሰዳ ሃብታም ኮይኑ፡ ብፍላይ ንኣካላትና ንዝኮነ ዓይነት ጸቕጥን፡ ንውጥረት ሂወት ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ንኽቃለስ ሓጋዚ ኢዩ።

እዚ ጥማሮ ዝሕዞ ፡

ብዝሐ-ቫይታሚናዊን ሚነራላውን ሓርጭ - 30 ቀረብ

እዚ ፍርያት ብቪታሚናትን ማዕድናትን ሃብታም ዝኾነ ኢዩ። ነቶም ብሰነኪ ዘመናዊ ኣጋባብ ስርዓተ-ሕርሻ ፍሩታታን ኣሕምልትን እንዳጎደሉ ዝኸዱ ዘለዉ ትሕዝቶታት ቫይታሚናትን ማዕድናትን ክትከኦም ዝኽእል ‘ውን ኢዩ። ቅማረ ናይ’ዚ ፈሳሲ ልዕሊ 90 ኣገደስቲ፡ ቫይታሚናት፡ ኣሚኖ ኣሲዳትን ካልኦትን ዝተሰከመ እዩ። ሃብታም ብጸረ-ኦክሲዳ ኮይኑ፡ 115 ፍረታትን ኣሕምልትን ኣለዎ። ነቲ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ብልዑል ጸቕጢ ተዋጢሩ ዝርከብ ኣካላትካ ነቲ ዘለዎ ጭንቀት ኽብድህ ሓጋዚ ኢዩ።

ሕውስዋስ ናይ ኮምፓውንድስ፡ ኣትክልቲ መሰረት ዝገበረ መቃምምቲ ከምኡ’ውን ብጸረ-ኡክሰዳን ዝሰልጠነ

    • ኣገዳሲ ሕውስዋስ ናይ ጨንገር (ፓይቶኒውትረንት)ን ካብ ተኽሊ ዝርከብ መቓውምቲን ዘለዎ ኮይኑ ብሉጽ ጸረ-ኦክሲዳ ውን ኣለዎ
    • ልዑል ትሕዝቶ ቫይታሚን ቢ ዘለዎ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ኣብ ኣካላትና ልዑል ቀረብ ናይ ጸዓት ንኽህሉ ብምድራኽ ድኻምን ቀጨውጨውን ዘጉድል ኢዩ
    • ቫይታሚን ቢ1, ቢ2, ቢ6ን ቢ12 ውን ዘለዎ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ድኻምን ረሸሽታን የጉድል
    • ቫይታሚን ሲ፣ ስርዓተ-ምክልኻል ሕማማት ኣካላትካ ብግቡእ ንኽሰርሕ ዝሕግዝ ኢዩ
    • ልዑል ትሕዝቶ መተሓውስቲ ንኣብነት ውጺኢት ባክተርያዊ ምውህሃድ ዝኾነ ትሕዝቶ፣ መቓውምቲ ብቐሊሉ ንኽምጸዩ ዝድርኽ ባእታ
    • ኣገደስቲ ጸረ-ኦክሲዳ ማለት ቫይታሚን ኤ፣ ሲን ኢን ‘ውን ኣካል ትሕዝተኡ ኮይኖም ንኣካላትና ካብ ፍሪ ራዲካልስ ይከላኸልሉ። ፍሪ ራዲካላት ዘይቀወምቲ ሞሎኲላት ኮይኖም፡ ዋህዮታት ኣካላትና ከዕንዉ ዝኽእሉ ከምኡ’ውን ምስ ገለ ሕማማትን ቕድሚ ግቡእ ዕድመ ዝረአ ዕቤት ዘቃልዑ እዮም
    • ፎሊክ ኣሲድ ድማ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ብግቡእ ንጥፈታቶም ንኸካይዱ ዝሕግዝ ትሕዝቶ ኢዩ

    ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን 

    ኣልቲሜት ኦሜጋ 3፣ 6ን 9 - 90 ሶፍት ጄል ለቖታት

    ናይ ኦሜጋ 3 -6-9 ለቖታት ብጥንቓቐ ዝተቐመረ ሕውስዋስ ናይ ዓሳ፡ፈረ እንጣጢዕን ዘይቲ ቦራጂነን እዩ። ኣካላትና ነዞም ኣገደስቲ ስብሓውያን ኣሲዳት ከዳልዎ ስለዘይኽእል፡ ብመንገዲ ኣመጋግባና ክንረኽቦም ይግባና፡ ወይ ድማ ኣበርክተኦም ኣብ ፊዘለጂካዊ ንጥፈታት ኣካላትና ወሳኒ’ዩ።

    ኦሜጋ 3 ካብ EPA (ኤኮሳፐንታኖይክ አሲድ) ን DHA (ዶኮሳሄክሳኖይክ አሲድ) ዝተሰርሐ እዩ።  ኣብ ምጉዳል ኣካላዊ ነድርን ኩነተ-ኣእምሮ ክብ ኣብ ምባልን ልዑል ተራ ይጻወት። ካብቶም ምንጪ ዘይቲ ዓሳ ምዃኖም ዝፍለጥ ሳርዲን፡ ማክረልን ሳልሞንን ዝተባህሉ ዓሳታት ድማ ክርከብ ይከኣል። ብተወሳኺ፣ ዓሳ ናብ EPAን DHAን ዝልውጥ ALA (አልፋ-ሊኖልኒክ አሲድ) ዝተባህለ ተፈጥሮኣዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ‘ውን ኢዩ። ነዚ መስርሕ ድማ ኣካልትና ኣብ ናይ ደቃይቅ እዋን ክፍጽሞ ይኽእል።

    ኦሜጋ 6 ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዘይቲ፡ ኣዝርእትን ካዕካዕን ዝርከብ ኮይኑ ብ “ሊኖልኒክ አሲድ” ን “ጋማ-ሊኖልኒክ አሲድ” ዝተባህሉ ኣሲዳት ዝተሰርሐ ድማ ኢዩ።

    ኦሜጋ 9 ኣብ ብዙሕ መግብታት ማለት ኣዝርእትን ፍረታትን፡ ካዕካዕ፣ ኣሕምልትን ናይ ናይ ዘይቲ ኣዝርእትን ይርከብ።

    ኦሜጋ 3-6-9 ብጥንቃቐ ፡ ኣብ መንጎ እቶም ስብሓውያን ኣሲዳት ዝርከብ ተመቃራሕነት ብልክዕ ዝተቀመረ እዩ። ፍርያትና ዝለዓለ ሬሾ ናይ ኦሜጋ 3 ማለት ናይ ዓሳን እንጣጢዕን፡ ኦሜጋ 6’ ካብ ቦጂነን ዘይቲ እንጣጢዕን፡ ከምኡ’ውን ኦሜጋ 9 ብመልክዕ ኦሊክ አሲድ ካብ ዘይቲ እንጣጢዕን የዋድድ። ናይ ደንካልያ ኦሜጋ 3-6-9 ኣልቲሜት ኦሜጋ፡ ዘይንጽህና ንምውጋድ ብኣየራዊ ናይትሮጅን ዝተዓሸገ እዩ።

    ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን 

    ብዝሐ-ቫይታሚናዊን ሚነራላውን ሓርጭ - 30 ቀረብ - መዓልታዊ 2 መግሓጢ ኣብ 500 ሚሊሊተር ምስ ማይ ወይ ድማ ጽሟቕ ብምብጽባጽ ምስ መግቢ ወይ ድማ ድሕሪ መግቢ ውሰድ። ወይ ድማ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ክውሰድ ይከኣል።

    ኣልቲሜት ኦሜጋ 3፣ 6ን 9 - 90 ሶፍት ጄል ለቖታት - ንመዓልቲ ምስ መግቢ ወይ ድማ ድሕሪ መግቢ 3 ለቖታታት፡ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ምውሳድ።

    ብዝሐ-ቫይታሚናዊን ሚነራላውን ሓርጭ - 30 ቀረብኣብ ዝሑልን፣ ጩራ ጸሓይ ብቀጥታ ኣብ ዘይረክቦ ንቑጽ ኣካባቢ ክቕመጥ ይከኣል። ኣብ ፍሪጅ ምቕማጡ ኣየድልን።

    ኣልቲሜት ኦሜጋ 3፣ 6ን 9 - 90 ሶፍት ጄል ለቖታት - ኣብ ዝሑልን፣ ጩራ ጸሓይ ብቀጥታ ኣብ ዘይረክቦ ንቑጽ ኣካባቢ ክቕመጥ ይከኣል። ኣብ ፍሪጅ ምቕማጡ ኣየድልን።

    ሕቶ ኣለኩም?ንኪኢላ ሕተት
    The cookie settings on this website are set to 'allow all cookies' to give you the very best experience. Please click Accept Cookies to continue to use the site.
    መዓልታዊ 90 ፓኬት ፈሳሲ - ሓርጭ/ሉስሉስ ለዝለዝታ (ጀል)
    You have successfully subscribed!