ደንከልያ ናይ ሓንጎል መማዕበሊ ጥማሮ

$680.95
እዚ ኣጠቓላሊ ጥማሮ፡ ናይ ምሕቃቕ መግብን መኣዛታት ጸገማት ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ ዝተነደፈ፡ ማዕረ ማዕርኡ ንምዕባለ ኣእምሮ ኣስተዋጽኦ ዘለዎም 90 ኣገደስቲ መኣዛታት ዝጠቃለለ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እዚ ጥማሮ ዝያዳ ኣብ ጉዳያት ምዕባለ ኣእምሮ ዓሊሙ ዝሰርሕ ሲናፕቲቭ ን ድ-ስትረስን ዝሓቖፈ እዩ።
Size Guide
$680.95

ንሓንጎል መማዕበሊ ዝተዳለወ ጥማሮ ንዝለዓለ ጥዕና ንምጭባጥ ዘኽል ድንቂ ሕውስዋስ ኣገደስቲ መኣዛታት ዝሓዘ’ዩ። ምስ እዚ ተታሓሒዙ ድማ ነቶም ብሰንኪ ኣብ’ዚ ምዕቡል እዋን ብዝተኣታተዉ ናይ ሕርሻ ኣገባባት ኣብ ብዙሓት መግብታትና ዘይንረኽቦም ዘለና ቫይታሚናት፡ ሚነራላት፡ ኣሚኖኣሲዳት ከምኡ’ውን ኣገደስቲ ስብሓውያን ኣሲዳት ንምትክኦም ዝተነደፈ እዩ።

እዚ ኣጠቃላሊ ጥማሮ፡ ምስ ናይ ምሕቃቕ መግቢ ጸገማት፡ መኣዛታት ብግቡእ ናይ ዘይምምጻውን ብዝተሓሓዝ ነገራት ዝፈትሖ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንምዕባለ ሓንጎልና ኣገደስቲ ዝኾኑ 90 ኣገደስቲ መኣዛታት ኩሎም ዘካተተ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እዚ ጥማሮ እዚ ዝያዳ ኣብ ጉዳያት ምዕባለ ኣእምሮ ዓሊሙ ዝሰርሕ ሲናፕቲቭ ን ዲ-ስትረስን ዝዝሓቖፈ እዩ።

እዚ ጥማሮ ዝሕዞ ፡-

ናይ ደንካልያ ውዱእ ብዝሐ-ቫይታሚናዊ ናይ ሚነራል ሓርጭ

ጥቕምታት

ሕውስዋስ ፓይቶኒውትረንት ዝሓዘ፣ ኣብ ኣትክልቲ መሰረት ዝገበረ መቃምምቲ ከምኡ’ውን ምዕቡል ጸረ-ኡክሰዳ

ምሉእ ቅርጺ ቫይታሚን ቢ - ንናይ ጸዓት መጠን ደገፍ ይገብር ከም’ውን ድኻምን ልሕላሐን የጉድል

ቫይታሚን ቢ1፡ ቢ2፡ቢ6 ከምኡ’ውን ቢ12 ኣብ ምንካይ ድኻምን ልሕላሐን ተራ ዘለዎ።

ቫይታሚን ሲ - ንንቡር መስርሓት ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ኣካላት ኣገዳሲ

ነቶም መቃምምቲ ዝያዳ ተመጸውቲ ንምግባሮም ልዑል  መልክዕ መቃምምቲ ዝሓዘ እንተላይ ባክተርያዊ ሕውስዋስ፡

ካብ መዕነውቲ ነጻ ራዲካላት (ሱር-ነቀላውያን ባእታታት)ዝከላኸሉልካ ኣገደስቲ ጸረ-ኡክሰዳ ቫይታሚናት ኤ፡ሲ ከምኡ’ውን ኢ ዝሓዘ እዩ። ነጻ ራዲካላት ዘይቀወምቲ ሞሎኲላት ኮይኖም፡ ንወሃዮታትና ከዕንዉ ዝኽእሉ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ምስ ካልኦት ጥዕናዊ ጸገማትን ቕድመ ግቡእ ዕድመ ዝርአ እርጋን ጠንቒ ‘ውን እዩ።

ፎሊክ ኣሲድ ንንቡር ንጥፈታት ቀያሕቲ ወሃዮታት ደም ኣበርክቶ ይገብር

ናይ ዓጽሚ መደልደሊ ፈሳሲ

ደንካልያ ብመልክዕ ፈሳሲ ዝተዳለወ ናይ ኣዕጽምቲ መደልደሊ፡ ንጥዕና ኣዕጽምቲ ዘረጋግጹን ብጥንቃቐ ዝተቕመሩን 7 ኣገደስቲ መኣዛታት ዝሓዘ እዩ። ዕድመ እናደፋእና ኣብ እንኸደሉ እዋን፡ ልክዕ ከም ናይ ንእስነትና ዝነበረ እዋን ኣዕጽምትና ክጽግን ስለዘይኽእል፡ ኣዕጽምትና ክንከላኸለሎም ኣገዳሲ እዩ። እዚ ናብ ኦስቲኦፖሮሲስ ዝተባህለ ብብዝሒ ኣብ ድሕረ ንጽፈተ-ጻግነኣዊ (ሞኖፖዝ)ደቀንስትዮ ዝርአ ሕማም ከምርሓና ይኽእል እዩ።                                         

ዓጽሚ ህይወታዊ ቲሹ ኮይኑ ኣብ ኣካላትና ጥዑይ ኣዕጽምቲ ኣብ ምድላው ዝተጸምደ እዩ። ዝኣረጉ ኣዕጽምቲ ብመስርሓት ኦስቲኦክላስትስ ክሰባበሩ ከለዉ፡ ሓደስቲ ኣዕጽምቲ ድማ ብመስርሓት ኦስቲኦብላስትስ ይቖሙ። ኣብ’ዞም መስርሓት ዘይምዕሩዩነት ወይ ዘይሚዛናውነት ምስ ዝፍጠር ናይ ዓጽሚ ሚነራላይዜሽን (ምቋም) ወይ ምብኻን ዓጽሚ (ምምዝባል ዓጽሚ) ከጋጥም ይኽእል እዩ።

ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድሜና ምስ እንበጽሕ ካብ ዝጽግኑ ዝስበሩ ኣዕጽምትና እዮም ዝዛይዱ። ቅድሚ ኣብዚ ዝተፈልጸ ዕድመ ምብጻሕና ግቡእ ጻዕቒ ኣዕጽምቲ ክንረኽበሉ እንኽእል መንገዲ ኣሎ። ኣመጋግባናን ቕዲ ሂወትናን ንጥዕና ኣዕጽምትና፡ ልክዕ ከምቲ ስነ-ውርሻ ዝህልዎ ኣዝዩ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ኢዩ።

 ደንካልያ ናይ ኣዕጽምቲ መደልደሊ ፈሳሲ፡ ፍሉይ ሕውስዋስ ናይ ኣሚኖ ኣሲዳት ቸላትስ ፣ ሲትራትስን ማላትስን ዝሓዘለ እዩ። እዚኦም ድማ ሚነራላት ብግቡእ ከምእተመጽዉ ዘረጋግጹን ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዘለዉን ብተወሳኺ ናይ ምሕቃቕ መግቢ ጸገም ዘልዎ ሰባት ክዝውተር ዝከኣል እዩ።

ካልሽዩም ብሰፊሑ ኣብ ብዙሕ መግብታት ክርከብ ዝከኣል ሚነራል እዩ። እንተኮነ ብዝግባእ ንኽምጾ ከም ቫይታሚን ዲ ከምኡ’ውን ኤም.ኤስ.ኤም ዝኣመሰሉ መታሓውስቲ የድልዮ። ናይ ኣዕጽምቲ መደልደሊ ፈሳሲ ኩሉ ዓይነት ምምጻው ንምኽኣሉ ብክእለት ዝተቐመረ እዩ።

  • ምዕቡል ኮምፕሌክስ ካልሽዩም ምስ ኣገደስቲ መኣዛታት ንናይ ኣዕጽምቲ ጥዕና
  • ወሳኒ ደገፍ ኣብ ጥዕና ኣዕጽምቲ ዝጻወቱ ሚነራላትን ቫይታሚናትን ይቕርብ
  • ግቡእ መጠን ንደገፍ ኣዕጽምቲ ዝጠቕሙ ሚነራላት ትረክብ ከምዘለኻ ዘረጋግጽ
  • ካልሽዩም - ምጽጋን  ኣዕጽምቲ
  • ካልሽዩም- ኣብ ድሕሪ ንጽፈተ-ጻግነኣዊ መድረኽ ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ከጋጥም ዝኽእል ተኽእሎ ትሑት ጻዕቂ ማዕድናት ኣብ ኣዕጽምቲ የጉድል። ትሑት ጻዕቂ ማዕድናት ኣብ ኣዕጽምቲ ጠንቂ ኦስቶፕሮቲካዊ መንቃዕቲ ዓጽሚ ኢዩ
  • ቫይታሚን ዲ3, ዚንክ ከምኡ’ውን ማግኔጁም - ኣብ ምጽጋን ንቡር ኣዕጽምትን ከምኡ’ውን ጅማውቲ ተራ ዘለዎ።
  • ኮፐር - ኣብ ምጥዓይ ኣተሓሓዝቲ ቲሹታትኣበርክቶ ይገብር
  • ማግኔይዝ - ንግቡእ ንጥፈት ኣተሓሓዝቲ ቲሹታትን ምጽጋን ንቡር ኣዕጽምትን ተራ ዘለዎ።
  • ኤምኤሴም-  ንብዙሕ ስርሓት ኣካላትና ተራ ዘለዎ ሳልፈር ይቕርብ።

ናይ ደንካልያ ኣልቲሜት ኦሜጋ 3-6-9 ፕላስ

ጥቕምታት

ኦሜጋ 3-6-9 ብምጥንቃቐ ዝተቐመረ ሕውስዋስ ናይ ዓሳ፡ እንጣጢዕ ከምኡ’ውን ዘይቲ ቦረጅ እዩ። እዚኦም፡ ንብዙሕ ስነ-ኣካላዊ መስርሓት ሓገዝቲ እዮም። በዚ መሰረት ኣካላትና ነዞም ኣገደስቲ ስብሓውያን ኣሲዳት ከፍርዮም ስለዘይክእል፡ ካብ መግብናን ካልኦት ተወሰኽትን ክንረክቦም ኣገዳሲ ይኸወን።

ኦሜጋ 3 ካብ ‘ኢፒኤ’ (ኤኮሳፐንታኖይክ አሲድ) ን ‘ዲኤችኤ’ (ዶኮሳሄክሳኖይክ አሲድ) ዝተሰርሐ እዩ። እዚ ስብሓዊ ኣሲድ ነድሪ ኣብ ምጉዳልን ኩነተ ኣእምሮ ክብ ኣብ ምባልን ይሕግዝ። ኣብ ዘይታውያን ዓሳታት ከም ሳርዲናት፡ስገምሪን ሳልሞንን ይርከብ። ኣብ ርእሲ’ዚ ‘ኤ.ኤል.ኤ’ (አልፋ-ሊኖልኒክ አሲድ) ዝተባህለ ብተፈጥሮ ዓሳ ናብ ‘ኢፒኤ’ (ኤኮሳፐንታኖይክ አሲድ)ን (ዶኮሳሄክሳኖይክ አሲድ)ን ክልውጦ ዝኽእል’ዩ። ኣካላትና ነዚ ዕማም እዚ ኣብ ደቃይቕ ጥራይ እዩ ከሳልጦ ዝኽእል።

ኦሜጋ 6 ኣብ ዝተፈላለዩ ዘይትታት፣ ኣዝርእትን ካዕካዕን እዩ ዝርከብ። ብሊኖልኒክ አሲድን ጋማ- ሊኖልኒክ ኣሲድ ዝተሰርሐ እዩ።

ኦሜጋ 9 ኣብ ዝተፈላለዩ መግብታት ከም ኣዝርእቲ፡ካዕካዕን ዝተፈላለዩ ኣሕምልትን ናይ ቅብኢ ኣዝርእትን ይርከብ።

ኦሜጋ 3-6-9 ኣብ መንጎ’ቶም ስብሓውያን ኣሲዳት ዘሎ መጠነ ዝምድና ንምርግጋጽ ብጥንቃቐ ዝተቐመረ እዩ። ፍርያትና ልዑል መጠን ኦሜጋ 3 ዘይቲ ካብ ዓሳን እንጣጢዕን፡ ኦሜጋ 6 ካብ ቦረጅን ዘይቲ እንጣጢዕን ከምኡ’ውን ኦሜጋ 9 ካብ ዘይቲ ኣንጣጢዕ ብመልክዕ ኦሊክ ኣሲድ ዘዋድድ እዩ።

ናይ ደንካልያ ኦሜጋ 3-6-9 ኣልቲሜት ኦሜጋ፡ ካብ ኦክሲዳዊ መስርሓትን ብከላን ዝከላኸለሉ ብኣሃዱታት ኣየራዊ ናይትሮጅን ዝተሓተመ እዩ።

ሰለንዩም ፕላስ - 90 ለቖታ

ናይ ሰለንዩም ፕላስ ለቖታት 250 mcg ዝዓቐኑ ካብ መባኹዕቲ ነጻ ዝኾነ ዓይነት ሰሊንዮም ዝሓዘ ኮይኑ፣ ሰለኒየም (ኤል-ሰለኖመታይኒን), ነቶም ናይ ‘ይስት’ ወይ ድማ መባኹዕቲ ናይ ዘይተጻዋርነት ዓቕሚ ንዘለዎም ሓጋዚ ኢዩ።

ሲሊንዮም ሓደ ካብቶም ኣብ መሬት ክርከቡ ዝኽእሉ ማዕድናትን ኣብ ሓመድ ዝቦቑሉ ኣትክልትን እዩ። እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግና፣ ክርከብ ዝእኽል መጠን ብተጠቃምነት ጸረ-ባልዕ፡ ዝናብ፡ ምህፋፍን ናይ ፒኤች ደረጃን  ክጽንቀቕ ዝኽእል ‘ዩ።

ዋንነት ደንካልያ ዝኾነ ሕውስዋስ፡ ብሰሊንዩም ናይ ጸረ-ኡክሰዳ ጥቕሚ ዝበለጸ ንምግባሩ፡ ምስ ካልኦት ኣብ ስብሒ ክሓቑ ዝኽእሉ መእዛታት ከም ቫይታሚን ኢ ተደማሚሩ ዝቖመ’ዩ።

ስለንዩም ኣሰራዊ ባእታ፡ ንመስርሓት ካብ መፍረ ክሳብ ምቅላስ ረክስታትን ነጻ ራዲካላትን ኣገዳሲ እዩ።

ቫይታሚን ኢ፡

ንወሃዮ ካብ ኦክሲዳቲቨ ጸቕጢ ይከላኸል

ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን

ደገፍ ፍሎራ

መስርሕ ምሕቓቕ መግቢ ስፍራ ናይ ትሪልዮናት ባክተርያታት ኮይኑ፡ መዓንጣ ጥዕና ክህልዎ ይድግፉን፡ ኣብ መስርሕ ምክልኻል ሕማማት ኣካላትና ድማ ሓገዝ የቕርቡን። ዝበኹዑ መግብታት ምምጋብ ከም ርግኦ፡ቴምፍ፡ ፋርማጆ ከምኡ’ውን ሳውክራውት (ኣብ ጨዋም ፈሳሲ ተጠጂኡ ዝተዓቐበ ካውሎ) ነቶም ሓገዝቲ ባክተርያ ኣብ ምስሳን ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ዕዳጋ እንረኽቦም ርግኦ፡ ዝተወሰኸ ሽኮር ሃልይዎም፡ ነቶም ኣብ መዓንጣካ ዝርከቡ ጥዑያት ባክተርያ ጥራሕ ዘይኮነ ወላ’ውን ነቶም ጎዳእቲ ባክትርያ እዩ መግቢ ዝኾኖም። ስርዓተ ኣመጋግብካኻ ዝበኹዑ መግብታት ዘካተተ ምስ ዘይከወን ካልእ መወሰኽታ (ሳፕሊመንት) ምውሳድ ከገድሰካ እዩ። ፍርያትና 3 ስትሬን መሐወሲ፡ላክቶባሲለስ አሲዶፊለስ፣ ቢፊዶባክቲሪየም ቢፊዱምን፣ ቢፊዶባክቲሪየም ኢንፋንቲስ ዝሓዘለ ኮይኑ፡ ቃና ናይቶም ብተፈጥሮ ኣብ መዓንጣና ክርከቡ ዝኽእሉ ጠቐምቲ ባክተርያ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ቀረብ 6 ሚልዮን ኣብ ኣሲዳዊ ኩነታት ከስዐና ክሰሩ ዝኽእሉ ኣርባሕቲ ደቐቕቲ ታሃዋስያን ዝምጡ ክኸውን ከሎ፡ እዚ ንመጠን ኣብ መዓንጣኻ ዝርከቡ ኣርባሕቲ ባክተርያ ንምውሳኽ ዘኽእል ውሑስ መንገዲ እዩ።

ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን

ሲናፕቲቭ - 60 ባይ-ሌየርድ ታብሌት

እዚ  ክልተ ሽፋን ዘለዎ ብሉጽ ከኒና ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ፣ ኣብ ቅልጡፍን ኣብ ዝተናውሐ እዋንን ንጥዕና ኣእምሮ ዓሊሙዝተቐመረ እዩ። ምስ ራዲካልስ እናተቓለሰ ንንጹር ኩነተ-ኣእምሮ፡ንዝተማሐየሸ ናይ ምዝካር ብቕዓት ምህላው፡ጸቕጢ ንምጉዳልን ዝሕግዙና ማእዛታት ዘሓዘ ክኸውን እንከሎ ወጥርን ጭንቀትን ንምጉዳል ዝሕግዝ መእዛታት ዝሓዘ እዩ።

ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን

ኣልቲሜት ዲ - ስትረስ

ጸቕጢ ልክዕ ከም ካልኦት ኩነታት ብቕልጡፍ ዝርጋሐ ኣብ ሕብረተሰባት ዝረአ ለብዒ እዩ። ዝተናውሐ ጸቕጢ ኣብ ኣካላትናን ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ኣካላትናን ናይ ጸገማት ምልክታት ከርኢ ይኽእል እዩ። ኣልቲሜት ዲ - ስትረስ ንጸቕጢ መልሰ ግብሪ ኣብ ናይ ምሃብ ዓንኬል ዝነጥፉ መእዛታት ይቕርብ። እዚ ደረጅኡ ዝሓለወ ቅማረ ብባህርያዊ ጸቕጢ ዘወግዱ ቫይታሚናት፡ ሚነራላትን ቦታኒካልስን ዝሓዘ እዩ።

ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን

ኣልቲሜት ኢንዛይም

ኣልቲሜት ኢንዛይም ንመስርሕ መሕቓቕ መግቢ ተባሂሉ ዝተቐመረ እዩ። ምስ ቢቴን ሃይድሮክሎራይት፡ ኦ ኤክስ ቢሌ (Ox Bile)ን ካልኦት ኢንዛይማትን ንስርዓተ ምሕቃቕ መግብን ኣገዳሲ እዩ። ኣልቲሜት ኢንዛይም፡ ንኣካላትና ንካርቦሃይድሬት፡ ፕሮቲናትን ስብሕታትን ንምስባባርን ዘድሊ መኣዛታት ንምምጻውን ረስሓት ንምውጻእን ዝኣመሰሉን ንጥፈታት ከሰላስል ይሕግዞ።

ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን

ቫይታሚን 3 10,000 IU (250µg) ለቖታት

ናይ ደንከሊያ ቪታሚን ዲ3 10,000 IU (250µg) ለቖታ መድሃኒት እምበኣርከስ ቫይታሚን ዲ ጎኒ ጎኒ ከ1ን ከ2ን ብሓባር ብምውህሃድ ኣብ ኣካላትና በቐሊሉ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝኽእል ንድፊ የዳሉ - ዲ3። ንምሉእ ጥዕና ዝድግፍ ኮይኑ፡ “ሳን ሻይን ቫይታሚን” ፡ እልቢ ዘይብሉ ጥቕምታት ዘለዎ ኮይኑ ብፍላይ ድማ ንስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ኣካላትና።

ኣብ ዓለምና ልዕሊ 1 ቢልዮን ሰባት ትሑት ዓቐን ናይ ቫይታሚን ዲ ዘለዎም እዮም። ኣገዳስነት ናይዚ ‘ናይ ጩራ ጸሓይ ቫይታሚን’ ተባሂሉ ዝፍለጥን ኣብ ስብሒ ክሓቕቕ ኣኽእሎ ዘለዎ ቫይታሚን፡ ንናይ ካልሽዩም ምምጻው የተባብዕ፡ ንጥዑይን ድልዱልን ዓጽምን ስንን ክንውንን ይሕግዘና። ናይ ደንካልያ ቫይታሚን ዲ3 ድማ ብቐሊሉ ዝሓቅቕ ዓይነት ቫይታሚን ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ ምስትኽኻል ስርዓተ ኣማጋግባናን ሜላ መንብሮናን፡ ተወሳኺ ቫይታሚን ዲ3 ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ክረምቲ ወቕቲ።

ኣስተዋጽኦ ቫይታሚን ዲ፡

  • ንንቡር ስራሕ ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት የኽእል
  • ዱልዱል ዓጽምን ተሪር ኣስናንን ንኽህልወና ይሕግዝ
  • ካልሽየምን ፎስፈርስን ብቐሊሉ ከምዝሓቅቕ ይገብር
  • ንመጠን ካልሽዩም ኣብ ደምና ኣብ ምስትክኻል ተራ ይጻወት
  • ጥዕና ጭዋዳታትና ብምሕላው ብግቡእ ንኽንቀሳቐሱ ደገፍ ይህብ

ኣስተዋጽኦ ቫይታሚን ኬይ፡

  • ደም ብቐሉል ከምዝረግእ ይገብር
  • ጥዕነኡ ዝተሓለወ ኣዕጽምቲ ንኽህልወና ይሕግዝ

ቫይታሚን ዲን ከይን ብሓባር’ዮም ዝነጥፉ

ኣብ መታቦላ ናይ ካልሽዩም ምስ እንመጽእ፡ ቫይታሚን ዲ ን ከይን ብሓባር እዮም ዝሰርሑ። ክልቲኦም ድማ ኣገዳሲ ተራ እዩ ዘለዎም።

ተራ ቫይታሚን ዲ

ሓደ ካብ ኣገደስቲ ስርሓት ቫይታሚን ዲ፡ ንመጠን ካልሽዩም ኣብ ደም እዩ ዘመዓራሪ።

ቫይታሚን ዲ ነዚ ክገብረሉ ዝኽእለሉ ክልተ መንገድታት፡

  • ንናይ ካልሽዩም ምምጻው የተባብዕ፡ ቫይታሚን ዲ ንምምጻው ካልሽዩም ካብ እትበልዖም መግብታት ይድርኽ።
  • ምውሳድ ካልሽዩም ካብ ኣዕጽምቲ፡ እኩል ካልሽዩም ምስ ዘይተሀልኽ፡ ቫይታሚን ዲ ንቀንዲ ምንጪ ካልሽዩም ንኣዕጽምቲ ኣብ ኣካላት ምርኩስ ብምግባር፡ ዓቀኑ ኣብ ደም የተባብዕ።

እኩል መጠን ካልሽዩም ኣብ ደም ምስትኽኻል ወይ ምህላው ኣገዳሲ እዩ። ንብዙሕ ንጥፈታት ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ፡ ኣብ ጥዕናና ሰፍ ዘይብል ኣገዳስነት እዩ ዘለዎ።

እኩል መጠን ካልሹም ትወስድ ኣብ ዘይትህልወሉ እዋን፡ ኣካልትና ነቲ ኣብ ኣዕጽምትና ዘሎ ክዙን ካልሽዩም ካብ ምውሳድ ካልእ ምርጫ የብሉን። እዚ ድማ ምስ ግዜ ድኽመት ኣዕጽምትን ኦስቲኦፖሮሲስ የኸትል።

ተራ ቫይታሚን ከይ

ኣብ ላዕሊ ከም እተገልጸ፡ ቫይትኣምኒ ዲ መጠን ካልጡም ኣብ ኣካላት ብምርግጋጽ፡ ንጠለባት ሰውነትካ እዩ ዝከታተል።

እንተኮነ ግን፡ ቫይታሚን ዲ ንኩሉ መጠን ካልሽዩም ናይ ምቑጽጻር ስርሓት ክከታተል ኣይኽእልን። ኣብዚ እዩ እመኣር ተራ ናይ ቫይታሚን ከይ ዝመጽእ።

ቫይታሚን ከይ መጠን ካልሹም ኣብ ኣካላትና ብኽልተ መንገዲ የመዓራሪ፡

  • ንድበት ካልሽዩም ኣብ ደም የተባብዕ፡ ቫይታሚን ከይ፡ ኣ ብምኽዛን ካልሽዩም ኣብ ኣስናን ኣዕጽምትን ተራ ዘለዎ ኦስቲኦካልሲን ዝተባህለ ፕሮቲን የነቓቕሕ።
  • ንድበት ካሽዩም ኣብ ፈኮስቲ ቲሹታት የግድል፡ ቫይታሚን ከይ ማትሪክስ ጂኤልኤ ዝተባህለ ፕሮቲን የተባብዕ፡ እዚ ድማ ካልሽዩም ኣብ ከም ኩሊትን ሱር ደምን ዝኣመሰሉ ፈኮስቲ ትሹታት ንከይክዘን ይከላኸል።

ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን 

ብዝሐ-ቫይታሚናዊን ሚነራላውን ሓርጭ - 30 ቀረብ  - መዓልታዊ 2 መግሓጢ ኣብ 500 ሚሊሊተር ምስ ማይ ወይ ድማ ጽሟቕ ብምብጽባጽ ምስ መግቢ ወይ ድማ ድሕሪ መግቢ ውሰድ። ወይ ድማ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ክውሰድ ይከኣል። 

ናይ ዓጽሚ መደልደሊ ፈሳሲ - መዓልታዊ 31 ሚሊተር (2 ማንካ ጣውላ)፡ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ውሰድ።  

ኣልቲሜት ኦሜጋ 3፣ 6ን 9 - 90 ሶፍት ጄል ለቖታት - ንመዓልቲ ምስ መግቢ ወይ ድማ ድሕሪ መግቢ 3 ለቖታታት፡ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ምውሳድ። 

ሰለንዩም ፕላስ - መዓልታዊ 3 ለቖታታት፡ መግቢ ከይወሰድካ እንተኮነ ተመራጺ እዩ። ወይ ድማ ብምኽሪ ብዓል ሞያ ጥዕና።

ደገፍ ፍሎራ - መዓልታዊ 3 ለቖታታት፡ ምስ መግቢ ይውሰድ፡ ወይ ድማ ብምኽሪ ብዓል ሞያ ጥዕና።

ሲናፕቲቭ ፡   መዓልታዊ 2 ለቖታታት፡ ምስ መግቢ ወይ ድሕሪ መግቢ ይውሰድ። ወይ ድማ ብምኽሪ ብዓል ሞያ ጥዕና።

ኣልቲሜት ዲ - ስትረስ - መዓልታዊ 4 ለቖታታት፡ ምስ መግቢ ወይ ድሕሪ መግቢ ይውሰድ። ወይ ድማ ብምኽሪ ብዓል ሞያ ጥዕና።

ኣልቲሜት ኢንዛይምመዓልታዊ 1 ለቖታታት፡ ቕድሚ መግቢ ይውሰድ። ወይ ድማ ብምኽሪ ብዓል ሞያ ጥዕና።

ለይት ለይቲ ኣገዳሲ ዝኾነ መድሃኒት -  መዓልታዊ 2 ለቖታታት፡ ቅድሚ መግቢ ይውሰድ። ወይ ድማ ብምኽሪ ብዓል ሞያ ጥዕና።

ቫይታሚን ዲ3 10,000 IU - መዓልታዊ 2 ለቖታታት፡ ቅድሚ መግቢ ይውሰድ። ወይ ድማ ብምኽሪ ብዓል ሞያ ጥዕና።

ብዝሐ-ቫይታሚናዊን ሚነራላውን ሓርጭ - 30 ቀረብ - 

ኣብ ዝሑልን፣ ጩራ ጸሓይ ብቀጥታ ኣብ ዘይረክቦ ንቑጽ ኣካባቢ ክቕመጥ ይከኣል። ኣብ ፍሪጅ ምቕማጡ ኣየድልን። 

ናይ ዓጽሚ መደልደሊ ፈሳሲ - 

ኣብ ዝሑልን ቀጥታዊ ጩራ ጸሓይ ዘይረኽቦ ቦታ ዓቕቦ። ኣዝዩ ንጹህ ስለዝኾነ ምስ ግዜ ኣብ ፍርጅ እንከሎ ክረግእ ዝኽእል ኢዩ። ስለዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ተጠቃምነት ግዜ ክሕቆን የድሊ። ኣብ ፍሪጅ ኣብ ዝቕመጠሉ እዋን ንጋድም ክኸወን ይግባእ። 

ኣልቲሜት ኦሜጋ 3፣ 6ን 9 - 90 ሶፍት ጄል ለቖታት - 

ኣብ ዝሑልን፣ ጩራ ጸሓይ ብቀጥታ ኣብ ዘይረክቦ ንቑጽ ኣካባቢ ክቕመጥ ይከኣል። ኣብ ፍሪጅ ምቕማጡ ኣየድልን። 

ሰለንዩም ፕላስ - ኣብ ዙሑል ወይ ቀጥታዊ ጩራ ጸሓይ ዘይረኽቦ ንቁጽ ከባቢ።

ደገፍ ፍሎራ - ኣብ ዙሑል ወይ ቀጥታዊ ጩራ ጸሓይ ዘይረኽቦ ንቁጽ ከባቢ።

ሲናፕቲቭ ፡ ኣብ ዙሑል ወይ ቀጥታዊ ጩራ ጸሓይ ዘይረኽቦ ንቁጽ ከባቢ።

ኣልቲሜት ዲ - ስትረስ -  ኣብ ዙሑል ወይ ቀጥታዊ ጩራ ጸሓይ ዘይረኽቦ ንቁጽ ከባቢ።

ኣልቲሜት ኢንዛይም - ኣብ ዙሑል ወይ ቀጥታዊ ጩራ ጸሓይ ዘይረኽቦ ንቁጽ ከባቢ።

ለይት ለይቲ ኣገዳሲ ዝኾነ መድሃኒት -  ኣብ ዙሑል ወይ ቀጥታዊ ጩራ ጸሓይ ዘይረኽቦ ንቁጽ ከባቢ።

ቫይታሚን ዲ3 10,000 IU - ኣብ ዙሑል ወይ ቀጥታዊ ጩራ ጸሓይ ዘይረኽቦ ንቁጽ ከባቢ።

ሕቶ ኣለኩም?ንኪኢላ ሕተት
The cookie settings on this website are set to 'allow all cookies' to give you the very best experience. Please click Accept Cookies to continue to use the site.
ደንከልያ ናይ ሓንጎል መማዕበሊ ጥማሮ
You have successfully subscribed!