ጽቡቕ ምኡዝ ተኽሊ ደገፍ ንኮላሊትን ፍሕኛን

$82.95
ደገፍ ኮላሊትን ፍሕኛን በኣና ጥራሕ ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ሕዋስ ተኽሊ ወይ ድማ ናይ በረኻ ተኽሊ ዝሓዘ ኾይኑ እዚ ድማ ንጥዕና ዘለዎ ኩላሊት፣ ፍሕኛን ሽንቲ ንክህሉ ይሕግዝ።
Size Guide
$82.95

ጽቡቕ ምኡዝ ተኽሊ ደገፍ ንኮላሊትን ፍሕኛን ካብ ስኑዕ ቀመማዊ ድሕረ-ባይታ ነጻ ዝኾነ ባህርያዊ ሙኡዝ ተኽሊ፣ ጥዕና ኮላሊትናን ናይ ሽንቲ ፍሕኛን ዝሕሉ ኢዩ። ጥዑያት ኮላሊት ኣብ ኣካላትና ንዝህሉ መጠን ናይ ማይ ንምትዕርራይን ካልኦት ኣገደስቲ ሂወታዊ ንጥፈታት ኣብ ምክያድን ኣበርክቶአን መወዳድርቲ ዘለዎ ኣይኮነን። እዚ ፍርያት ድማ ኩላሊትናን ስርዓተ-ሽንትን ብግቡእ ንጥፈታቱ ንኸካይድ ልዑል ደገፍ ዝገብር ኢዩ።

ኣገደስቲ ሓቅታት

 ጽሟቕ ሕውስዋስ ናይ ምኡዝ ተኽሊ (ፍረ-ዳንድልዮን (ጎፍጓፍ ብጫ ዕምባባ ዘለዎ ተኽሊ መሮር) ፡ ፍረ-ሂድራንጅያ (ዓቢ ጻዕዳ፣ ሓምራይ ወይ ሰማያዊ ዝሕብሩ ዕምባባ ዘለዎ ዓይነት ቆጥቋጥ)፡ ቆጽሊ ኡቭራ ኡርሲ፡ ፍረ-ክራንቤሪ፡ ቆጽሊ ቡቹ፡ ዕምባባ ቻሞልይን፡ ፍረ- ተርሚን፡ ቆጽሊ ፐርሰመሎ)

ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን 

ኣብ መዓልቲ 2 ሚሊተር 2 ግዜ ውሰድ። ወይ ድማ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ክውሰድ ይግባእ። ኣብ ዉሑድ መጠን ዝተጻረየ ማይ ምሕዋሱ ይከኣል እዩ።

ኣብ ዝሑልን ቀጥታዊ ጩራ ጸሓይ ዘይረኽቦ ንቑጽን ኣካባቢ ክቕመጥ ይግባእ። ኣብ ፍርጅ ምቕማጡ ድማ ዘድሊ ኣይኮነን።

 

ሕቶ ኣለኩም?ንኪኢላ ሕተት
The cookie settings on this website are set to 'allow all cookies' to give you the very best experience. Please click Accept Cookies to continue to use the site.
ጽቡቕ ምኡዝ ተኽሊ ደገፍ ንኮላሊትን ፍሕኛን
You have successfully subscribed!