ሕብረ-ቪታሚናዊን ሚነራላውን ከኒና - 120 ከኒናታት

$57.95
  • ሓደ ካብቶም ሰፊሕ ሕብረ-ብዙሓት ቫይታሚናት ትሕዝቶ ዘለዎ ማዕድናዊ ሓርጭ (ንመዓልታዊ ንጥፈታትና ኣገደስቲ ዝኾኑ ልዕሊ 60 ካብ ተኽሊ ዝምንጭዉ ማዕድናት፡ 16 ቫይታሚናት፡ 12 ኣሚኖ ኣሲዳት ትሕዝቶ ዘለዎ)
  • ብጸረ-ኦክሲዳ (ቫይታሚን ኤ፣ ሲን ኢን) ሃብታም ዝኾነ
  • ብቀሊሉ ዝምጾን ብኩሉ ዓይነታት መኣዛታትን ኣገዳሲ ንቕድመን ድሕረን ባዮቲክስ
  • ልዕሊ 115 ፍረታትን ኣሕምልትን ዝሓዘ
  • ጭንቀትን ጸቕጥን ንምጉዳል፣ ዕርበት ሕልና ንምክልኻልን ሓፈሻዊ ቀጨውጨው ንምጉዳልን ሓጋዚ ዝኾነ
ናይ ደንካልያ ብዝሐ-ቫይታሚናዊን ሚነራላውን ሓርጭ ኣዝዩ ፍሉይ፡ ዝተመጣጠነ፡ሕውስዋስ ናይ ልዕሊ 90 መቃምምቲ እዩ። ናይ ኣትክልቲ ኮምፓውንድስ፡ ጸረ-ኡክሰዳን ብፍላይ መኣዛታት ብለዘዝታዊ መልክዑ ዝሓዘን ብሓገዝ ባክተርያዊ ሕውስዋስ ዝያዳ ዝምጸወሉን’ዩ።
Size Guide
Size *
$57.95

እዚ ፍርያት ብቪታሚናትን ማዕድናትን ሃብታም ዝኾነ ማእዛታት ዝሓዘለ ኢዩ። ነቶም ብሰነኪ ዘመናዊ ኣጋባብ ስርዓተ-ሕርሻ እናጎደሉ ዝኸዱ ዘለዉ ትሕዝቶታት ቫይታሚናትን ማዕድናትን ክትከኦም ዝኽእል ‘ውን ኢዩ። ቕማረ ናይዚ 90 ኣገደስቲ ቫይታሚናት፡ ኣሚኖ ኣሲዳትን ካልኦትን ዝሓዘ እዩ። እዚ ከኒና ‘ዚ ብጸረ-ኦክሲዳ ሃብታም ኮይኑ ነቲ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ብልዑል ጸቕጢ ተዋጢሩ ዝርከብ ኣካላትካ ነቲ ዘለዎ ጭንቀት ክብድህ ሓጋዚ ኢዩ።

  • ኣገዳሲ ሕውስዋስ ናይ ጨንገር “ፓይቶኒውትረንት” ን ካብ ተኽሊ ዝርከብ መቓውምቲን ዘለዎ ኮይኑ ብሉጽ ጸረ-ኦክሲዳ ውን ኣለዎ
  • ልዑል ትሕዝቶ ቫይታሚን ቢ ዘለዎ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ኣብ ኣካላትና ልዑል ቀረብ ናይ ጸዓት ንኽህሉ ብምድራኽ ድኻምን ቀጨውጨውን ዘጉድል ኢዩ
  • ቫይታሚን ቢ1, ቢ2, ቢ6ን ቢ12 ውን ዘለዎ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ድኻምን ረሸሽታን የጉድል
  • ቫይታሚን ሲ፣ ስርዓተ-ምክልኻል ሕማማት ኣካላትካ ብግቡእ ንኽሰርሕ ዝሕግዝ ኢዩ
  • ልዑል ትሕዝቶ መተሓውስቲ፣ ንኣብነት ውጺኢት ባክተርያዊ ምውህሃድ ዝኾነ ትሕዝቶ፣ መቓውምቲ ብቐሊሉ ንኽምጸዩ ዝድርኽ ባእታ
  • ኣገደስቲ ጸረ-ኦክሲዳ ማለት ቫይታሚን ኤ፣ ሲን ኢን ኣካል ትሕዝተኡ ኮይኖም ንኣካላትና ካብ ፍሪ ራዲካልስ ይከላኸልሉ። ፍሪ ራዲካላት ዘይቀወምቲ ሞሎኲላት ኮይኖም፡ ዋህዮታት ኣካላትና ከዕንዉ ዝኽእሉ ከምኡ’ውን ምስ ገለ ሕማማትን ቕድሚ ግቡእ ዕድመ ዝረአ ዕቤት ዘቃልዑ እዮም።
  • ፎሊክ ኣሲድ ድማ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ብግቡእ ንጥፈታቶም ንኸካይዱ ዝሕግዝ ትሕዝቶ ኢዩ

ነጻ ካብ፡ ጉለቲን (ትርፍራፍ ፕሮቲን) ፣ ውጺኢት ጸባ፣ ስርናይ፣ ሶያ (ናይ ቻይናውያን ፋጂሊ) ፣ መባኹዕቲ፣ ሰብ-ሰርሖ መዓቀቢን መመቀርን 

 

4 ከኒና ንመዓልቲ ቀቅድሚ መግቢ፡ ኪኢላ ስነ-መግቢ ወይ (ሓኪምካ) ብዝእዝዞ መሰረት ምውሳድ።

ኣብ ዝሑልን፣ ጩራ ጸሓይ ብቀጥታ ኣብ ዘይረክቦ ንቑጽ ኣካባቢ ክቕመጥ ይከኣል። ኣብ ፍሪጅ ምቕማጡ ኣየድልን።

ሕቶ ኣለኩም?ንኪኢላ ሕተት
The cookie settings on this website are set to 'allow all cookies' to give you the very best experience. Please click Accept Cookies to continue to use the site.
ሕብረ-ቪታሚናዊን ሚነራላውን ከኒና - 120 ከኒናታት
You have successfully subscribed!