10 ጸረ ኦክሶዳ ኣብ ኣመጋግባ ክትጥቀመሉ እትኽል መንገድታት- ሰናይት

ጸረኦክሶዳ ኣብ ጥዕናና ወሳኒ እዩ። ካንሰር ካብ ዝኣመሰሉ ከስዕቡ ዝኽሉ ጠንቕታት ይከላኸለልና እዩ። ናይ ዕቤት መስርሓት የዝሕሎ፡ ንናይ ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ኣካልትና ድማ የጎልብቶ ብተወሳኺ’ውን ሓፈሻዊ ጥዕና ይህብና። ካብ 7 ክሳብ 10 ዝበጽሑ ዝተፈላለዩ ፍሩታትን ኣሕምልትን ብምምጋብ እኩል መጠን ጸረኡክሶዳ ከምዝወሰድና ነረጋግጽ።


10 መንገድታት

 

1. ቁርሲ

ርግኦ ናብ ጠሓኒት ምእታው ግዜ ዝወስድ ኣይኮነን። ሓደ ዕማኾ ዝኣክል ፍረታት ከምኡ’ውን ብተወሳኺ ናይ ኣራንሺ ጽሟቕ ብምእታው ነታ ጠሓኒት ንወልዓያ። ምስ ጽላው ባኒ ድማ ንጥቐመሉ። ስለዚ ንምንታይ እዮም ብዙሓት ሰባት ጥዕና ዘይህብ ቁርሲ ዝወስዱ? እዚ ኣገባብ 3 ካብ ናይ መዓልታዊ ፍረታትካ ወይ እቶም ፍሩታ ምስ ኣእካል ብምሕዋስ ክዳሎ ይኽእል።

ኣነን ስድራቤተይን ኩሉ ግዜ ነቲ ኣብ ደንከልያ ዘሎ ቀረብ ማለት 60 ሚነራላት ዘመጭዉ ኣትክልቲ፡ 16 ቪታሚናት፡ 12 ኣሚኖ ኣሲዳት፡ 3 ኣገደስቲ ስብሓዊ ኣሲዳት ከምኡ’ውን ሰሊንየምን ሬዘርቬሮልን ንዝርከብዎም ኣገደስቲ መኣዛታት ንረክብ። ኣብ ደንካልያ እንረክቦም ፍርያት ምስ ጽሟቕ ብቀሊሉ ክንሕውሶም ንኽእል ኢና ብዘይካ’ዚ ውን ንበይኖም ክንሰትዮም ይከኣል እዩ።

2. ጠዓሞት

ገለ ርእይቶታት፡

· ሓደ ዕማኮ ዘብብ ወይ ብዙሕ ወይኒ

· ስትሮቬሪ ኣብ ተፈጥርኣዊ ርግኦ

· ሓደ ዕማኾ ሰመያዊ ጎምጠጥ (ብሉ ቤሪ)

· ንእሽተይ ካሮት ኣብ ሁመስ (ካብ ዘይቲ ነጻ)

· ዕማኾ ካዕካዕ ኣመሪካ(ካርያ) ወይ ጁዝ

3. ምሳሕን ድራርን

ኣብ ምሳሕን ድራርን ሳላጣ ከም እትምገብ ግበር። ተረባሒ ኩን ከምኡ’ውን ፍሩታት፡ ኣሕምልትን ካዕካዕን ነቲ ሳላጣ ክትሕውሰሉ ፈትን። ክትርእዮም ሰሓብቲ ብምግባር ኣመላኺዕካ ምስ እነዳልዎ፡ ደቕካ ተሳሒቦም ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ክበልዑ ክደልዩ እዮም።

4. መመቐር ኣፍ (ዲዘርት)

ንጸረኦክሲዳንት ንምጉልባት፡ ንመመቐር ኣፍ (ዲዘርት) ፍረታት ክትወስድ ኣይከኣልን። ነዞም ፍረታት በይኖም ከተዳልዎም ይከኣል እዩ። ወይ ምስ ርግኦ ወይ ምስ ዝተወቕዐ ክሬም ምናልባት ውን ምስ ብመጠኑ ዝመኸኸ ወይ ዝተፋሕፍሐ ቸኮላታ ኣብ ላዕሊ ብምቕማጥ ኣዳልዎ።

5. መስተታት (ፈሳሲ)

እትሰትዮም ከም ኮካ ዝኣመሰሉ ብምውጋድ ብማይ ወይ ጽሟቕ ተክኣዮ።ቡንን ሻህን ብዙሕ መጠን ጸረኦክሶዳ ወላ’ኳ እንተለዎም፡ ካፈይን ክትበራበር ስለዝገብር ብብዙሕ መጠን ክትወስዶም ኣይግባእን። ምስ ድራርካ ሓንቲ ቢኬሪ ወይኒ (ዋይን) ጽቡቕ እዩ። ወይ ናይ ቻይ ሻሂ ፈትኖ።

6. ካልኦት ኣገረምቲ ምንጪ ጸረኦክሶዳ

ተመራመርቲ ሓደስቲ መጽናዕታት ብምክያድ ሓደስቲ ርክበታት ብምክያድ ወትሩ ምስ ኣገረሙና እዮም። ጸረኦክሶዳ ኣሕምቲ ከም ካርቾፊ፡ ቀይሕ ቡናዊ ድንሽ (ራሲት)፡ ምቑር ድንሽ ከምኡ’ውን ደቐቕቲ ቀያሕቲ ኣዳጉራ (ኣካ ናይ መክሲኮ ቀይሕ ኣዳጉራ)። እዞም ዓይነት ኣዳጉራ ልዕሊ ብሉ ቤሪ መጠን ጸረኦክሶዳ ኣለዎም። ስለዚ ብጸረኦክሲዳንት ንምጉልባት ኣብ እትምገቦ ሳላጣ ንሓውሶ።

7. ኣሕምልቲ ልዕሊ መጠን ኣይነብስሎ

ስድራቤትካ መዓልታዊ ብዙሕ ኣሕምልቲ ክምገቡ ንገብር ምህላውና ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ። ግን ልዕሊ 20 ደቃይቕ ክበስሉ ምስ እንገብር ካብኡ ክንረክቦ ዝግብኣና ጥቕሚ ኣዝዩ’ዩ ዝውሕድ። ኣሕምልቲ ብሃፋ ብምሳል እቲ ዝበለጸን ኣገዳስን እዩ። ቁሩብ ምስ ዝተሓማሾክ ክብላዕ ክዳሎ ይእል እዩ። ኣብ ዕዳጋታት 93 ሚእታዊት ካብ ኣሕምልቲ ንክረክቦ ዝግብኣና ትሕስቶ ክዕቕብ ዝኽእል ድስታት ኣሎ።

8. መግብታትካ ባዕልኻ ኣብ ገዛካ ትከሎም

እትምገቦ ፍሩታት፡ ኣሕምልትን ተኽሊ ቀመም (ሀርብ ባዕልኻ ካብ ምብቛል ንላዕሊ ዝበልጽ እንታይ ክህሉ ይእክል። ወላ’ውን ጀርዲን ዘይብልካ ምስ እትኸውን ከም ተኽሊ ቀመም (ሀርብ) ኣብ ናይ መስኮት ባዞታት ከተብቑሎ ይከኣል እዩ። እትምገቦም ካብ ከሚካላት ነጻ ዝኾኑ መግብታት ካብ ምብቛል ንላዕሊ ዘዕግብ የለን።

9. ካብቲ ጥዕና ዝህብ ኣገባብ ኣመጋግባኻ ብሰንኪ በዓላት ኣይትሰናኸል

ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ብዓላት ብምኻድ፡ ዝደለይዎ ክበልዑ ይውስኑ እዮም። ንብዙሕ ምክንያታት እዚ ጌጋ እዩ። ኣካላትካ ብኣግኡ ጥዑይ ኣመጋግባ ለሚድዎ ስለ ዝጸንሕ፡ ጥዕና ዘይህቡ መግብታት ምስ እትበልዕ፡ ምፍዛዝ ወይ ስንፈት ይስምዓካ’ሞ ነቲ ብድግስ ብሕማቕ ተሕልፎ። ነዞም መግብታት ብዘይ ብምላዕካ የሐጉስካ!

ብሕልፊ ኣብ ካልእ ሃገር ምስ እትህሉ፡ ነቲ ብጽንብል ካልእ ጥዕና ዝህብ መግብታት ንምፍታን ተጠቐመሉ። እዚ ድማ ሓድሽ ኣገባብ ኣሰራርሓ መግብታት ናይ ምድራስ ተክእሎታትካ ከስፍሖ እዩ። በዚ ዘለካ ሓድሽ ዓቕሚ ምክሻን ክእለት ንመሓዙትካ ኣገርሞም።

10. ከሽን

ከሺንካ ዘይትኽእል ምስ እትኸወን ሕጂ ክትጅምር ትኽእል ኢካ። እዚ ምስ እትገብር ዝተመስርሑ መግብታት ትዕድገሉ ዝነበርካ ገንዘብ ክትቑጥብ ኢካ። ኣብ እትምገቦም መግብታት ውሽጢ ንዘሎ ትሕስቶ ድማ ክትርዳእ ኢካ።

The cookie settings on this website are set to 'allow all cookies' to give you the very best experience. Please click Accept Cookies to continue to use the site.
You have successfully subscribed!