ሓጎስን ጥዕናን ዝህብ ባህሪ ናይ ዮጊ ሻሂ - ሰናይት
ሓደ ካብቶም ኣብ ዝግልገልሉ ማእከል ናይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ወይ ናይ ዮጋ ስቱድዮ ኣብ ቤት ዝተዳለወ ምቁር ናይ ዮጊ ሻሂ ዝቀርበሎም ሰባት ክትከወን ትኽእል ኢካ። ምስ ዘይትኸወን ነዕኡ ንምስራሕ ግዜ መድብ’ሞ ዝህቦ ዝተፈላለየ ረብሓታት ተቛደሶ። ምቑር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንመዓናጡና’ውን ጥዕና ይህቦ እዩ።
ታሪኽ ናይ ዮጋ ሻሂ
ናይ ዮጊ ሻሂ ብመላእ ዓለምና ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን እዩ እተፈለጠ። ግን ከኣ ነዚ ሃነን ዝብል ዝስተ ነገር ንምስራሕ ዝጠቕሙ ቀመማት ብዘለዎም ጥዕና ዝህብ ብቕዓት ኣብ ጥቕሚ ካብ ዝውዕሉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቁጺሮም ኣለዉ። ታሪኽ ኣጀማምርኡ ኣብ 1969 ብዮጊ ባጃን ዝተባህለ ሰብ ኣብ ኣመሪካ፡ ብሌላ ኩንዳሊኒ ዮጋ ዝፈለመ እዩ። ኣብ መንጎ ካልኦት ኣርእስታት ዮጊ ባጃን ኣብ አይርቬዳ፡ ብኸመይ ናይ ኣእምሮ፡ኣካልን መንፈስን ጥዕና ትዕቕብ ኣስተምሂሩ እዩ። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ክፍላተ ግዜ፡ ዝተቃመመ ሻሂ ንተማሃርኡ የአንግድ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እምበኣር’ዮም ተመሃርኡ ‘ሻሂ ዮጊ’ ክብሉ ዝሰመይዎ።
እዚ ምቁርን ጥዕና ዝህብን ዝስተ ነገር እናሃበበ እዩ መጽዩ፡ ኣብ 70ታት ኣብ ኣመሪካን ገለ ክፋላት ኤውሮፓን ኣብ ሓድሽ ናይ ኣሕምልቲ ዝምገቡ (ቬጀቴሪያን) ወርቃውያን ኣብያተ ብልዒ ክእንገድ
ጀሚሩ እዩ። ብዛዕባ ዮጊ ባጃንን ንሱ ዝሃነጾ ፋይናንሳዊ ስርወ-መንግስትን ብዙሓት ክትዓት’ኳ እንተለዉ፡ ሻሂ ዮጊ ምቑር ምዃኑ ግን ዘይቕየር ሓቂ እዩ።
ቀመማት
· ጸሊም በርበረ
እቲ “ንጉስ ኩሉ ቀመማት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጸሊም በርበረ መበቖሉ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ክፍላተ ሃገር ኬረላ’ዩ። ጸሊም በርበረ ኣብ ጥንቲ ኣትሒዙ ከም ጸረ-ነድሪ(ጸረ-ዘቃጽሉ ነገራት)፡ ጸረኡክሰዳ፡ደገፍ ንምሕቃቕ መግቢ ከምኡ’ውን ሰውነና መኣዛታት መግቢ ንክመጽዮ ምሕጋዝ ፍሉጥ እዩ።
· ሄል
ሄል ካብ ግዜ ጥንቲ ኣትሒዙ ከም ኣካል አዩርቬዳን ባህላዊ መድሃኒት ቻይናውያን እዩ ነይሩ። መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ መንጎ ካልኦት ነገራት፡ ጸረ መንሽሮ ወለድ (ካርሲኖጂካዊ) ባህርያትን፡ ብሉጽ ጥቕሚ ንረክሲ ስርዓተ ሽንቲ፣ ምቁጽጻር ኮሮስትሮል፡ ምስትኽኻል ከስዐ-መዓንጣዊ ጸገማት ከምኡ’ውን ቕዛነት (ጸቕጢ) ዝግ መበሊ ይውዕል።
· ቕንፍር
ቕንፍር ጸረኡክሰዳን ጸረ-ባክተርያን ባህርያት ክህልዎ ከሎ፡ ንከስዓዊ ጸገማት ብሉጽ ኣፈዋሲ እዩ። ሕክምና አይርቬዳ ንቅንፍር ንስርዓተ ምክልኻል ኣካላት ንምጉልባት እዩ ዝጥቐመሉ።
· ቃርፋ
ቃርፋ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣደናቒ ቀመም’ዩ። ክንዲ ፓኒት ብሉቤሪስ፡ ሓደ ማንካ ቃርፋ ብሉጽ ጸረ-ኡክሰዳ’ዩ። ሕማም ንምቕላስ ዝጠቕም ጸረ ታሃዋስያን ብቕዓት ኣለዎ። መጽናዕቲ፡ ቃርፋ ሽኮርያ ንዘለዎም ሰባት ኣብ ደም ዘሎ ሽኮር ንምቕናስ ከምዝሕግዝ’ዮም ዘረጋግጹ።
· ጅንጅብል
ብዘይካ ዘለዎ ብዙሕ እወታዊ ጥቕሚ፡ ጅንጅብል ንስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ሓጋዚ እዩ። ጸረ ረክሲ’ውን እዩ። ኣካላትና ቫይታሚናት ክመጹን ከወሃሃድን ይሕግዝ። ሻሂ ጅንጅብል፡ ንናይ ጎሮርን ደረትን (ኣፍልቢ) ጸገማት ፈዋሲ እዩ።
ኣሰራርሓ - 1 ኩባያ
· 250 ሚሊሊተር ማይ
· 3 ቅንፈር
· 4 ቀጠልያ ለቖታ ሄል – ዝተፈራከሰ
· 4 ጸሊም በርበረ
· 5 ሰንቲሜተር ዕንጸይቲ ቃርፋ
· 1 ሰንቲሜተር ጭራም ጅንጅብል (ከም ምርጫና)
· መዓር (ከም ምርጫና)
· ንእሽተይ ጸሊም ሻሂ
· 110 ሚሊሊተር ጸባ (ውጽኢት ጸባ፡ ካዕካዕ ወይ ፋጆሊ)
ንቅንፈር፡ ሄል፡ ጸሊምበርበረ ከምኡ’ውን ቃርፋ ናብ ማይ ሓውሶ። እቲ ጅንጅብል’ውን ሓውሰሉ ትጥቀመሉ እንተድኣለኻ። ንኣስታት 20 ደቃይቕ ድማ ኣፍልሓዮ። ድሕሪ እዚ ነቲ ጸሊም ሻሂ ንገለ ደቃይቕ ኣጥልቖ። ነዚ ስዒቡ ነቲ ጸባ ብምእታው ንክፈልሕ ሕደጎ። ነቲ ሓዊ እለዮ ከምኡ’ውን ነቲ መዓር ኣእቲካ፡ ነቲ ጣዕሚ ኣስተማቕሮ።