10 ጥዕናካ ክብ ንምባል ዝሕግዙ ንኣሽቱ ነጥብታት - ሰናይት
ንነብስና ንኣሽቱ ሸቶታት ብምስራዕ፡ ጂም ካብ ምኻንድን ከምኡ’ውን ዘይምኻድን ሓሊፍና ጥዕናና ብምምሕያሽ ክንዕወተሉ እንኽእል ሰፊሕ ዕድል ኣለና። እመኑ ኣይትእመኑ 90 ሚእታዊት ካብቶም ካብ ሓድሽ ዓመት ኣትሒዞም ጅምናዝየም ዝጅምሩ ሰባት፡ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝገድፍዎ ምዃኖም እዩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ኮሎራዶ ናይ ዶክትረይት ማዕርግ ዘለዎ ዳይረክተር ማእከል ኣመጋግባ ወዲ ሰብ ጀይምስ ኦ ሂል፡ “ነኣሽቱ ስጉምትታት ተጨበጥትን ምስ ናይ መዓልታዊ መደባትካ ዝወሃሃድን እዩ” ይብል። ንሱ ብምውሳኽ “ካብ ሃንደበታውያን ዓበይቲ ለውጥታት ድማ ዝሓሹ እዮም” ይብል።
1. ሚዛን ሰውነትካ ተኸታተል
ኣብ ክፍሊ መሕጸብ ሰውነትካ ኣብ ዘሎ ሚዛን፡ ክብደትካ ተኸታተል። ብዙሓት ሰባት ኣቕዲሞም ዝለብስዎ ዝነበሩ ክዳውንቶም ክጸቦም ከይጀመረ፡ ይገዝፉ ከምዘለዉ ኣይርድኦምን። ስለ’ዚ ገለ መጠን ክብደት ወሲኽካ እንተለካ፡ ሚዛን ሰውነትካ ዓቢ ጉዳይ ቕድሚ ምዃኑ፡ ንከተጉድሎ ስጉምትታት ውሰድ።
2. መቖጻጸሪ ብቕዓት ኣካላት
መዓልታዊ እተካይዶ ምንቕስቃስ ወይ ጉያ ንምክትታል መታን ክሕግዛካ ናይ ብቕዓት ኣካላት መቖጻጸሪ ክትዕድግ ኣገዳሲ እዩ። መቆጻጸሪ ብቅዓት ኣካላት፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ብሕሱር ዋጋ ኣብ ዕዳጋታት ኣሎ። ብቁዕን ጥዑይን ምስ ዘይትኸውን ንጥፈታትካ ቀስ ብቀስ ፡ ብዉሑዱ 10 ሽሕ ስጉምታት ንመዓልቲ ብምኻድ ፈልሞ።
ነቲ ኣብ ግዜ ምንቕስቃስካ ዘህለኽካዮ ፈሳስን ኤለክትሮላይትን፡ ብማይን ማዕድን ዘመንጅዉን ኣትክልትን (ፕላንት ድራይቭድ ሚኒራልስ) ብምምጋብ ክትትክኦም ከምዘለካ ዘክር።
3. ቁርሲ ክትበልዕ ከምዘለካ ኣይትረስዕ
ንግሆ ጥዕና ዝህብ ቁርሲ ብምቁራስ፡ ንመታቦላዊ (መታቦሊክ) ስርዓተ ኣካላትካ ብጽቡቕ ከምዝፍልም ግበር። ገለ መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ፡ ንግሆ ዝቖርሱ ሰባት ሸጥ ዝበሉን ጥዑይ ናይ ኣመጋግባ ልምዲ ዘለዎም ከምዝኾኑ ይሕብር። (የጤፍ ቂጣ) ምስ ፍረታት ወይ ፍርፋር እንቃቕሖ ምስ ኣሕምልቲ።
4. እዚ ኣወግዱ
ኣወግድ፡ (ጉሉተን) - ስርናይ፡ ስገም፡ ጥል፡ ኣጃ፡
ዝተዓሸገ ዘይቲ (ኣብ ክንዲ ካብ ስብሒ ነጻ ዝኾነ ጸባ ምዕዳግ ሳዕሪ ናይ ዝምገባ ላም ጠስሚ (ቅብኣት)፣ጥዑይ ህይወታዊ ክሬም ጸባ ተጠቐሙ)
ብዘይቲ ዝተጠብሱ መግብታት ይወገዱ
ናይትረይትስ ዝሓዘሉ ስጋ እውን ይወገዱ።
5. ሓንቲ ሳላጣ ንመዓልቲ
ህይወታውን ቀጠልያን፡ ብተወሳኺ ብዘይ ዘይቲ ዝተቓመመ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ግዜ ሳላጣ ንመገብ። እዚ ብምግባርና ጥዕና ንዝጎደሎም መግብታት ቦታ ኣይህብን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ካብቶም መዓልታዊ ክንረኽቦም ዘለና 5 ፈረታትን ኣሕምልትን ምውሳድ ማለት’ውን እዩ።
6. ካብ ስጋን ደርሆን ነቲ ስብሓዊ ክፋል ንእለዮ።
ኣብ ስጋ ዝርከብ ስብሒ ዉሑድ ኣገዳስነት ኣብ ጥዕናና ዘለዎ ዝለዓለ ጸዓት (ካሎሪ) ኣለዎ።ስለዚ ስጋ ኣብ እትዕድገሉ እዋን ስብሒ ዘይብሉ ወይ’ውን ቅድሚ ምኽሻና ወይ ምብላዕና ነቲ ስብሒ ንእለዮ። ትሑት ስብሒ ኣለዎምዝብል ሕላገት ዘለዎም ስጋ ካብ ምግዛእ ተቖጠብ፡ምኽንያቱ ብብዙሕ ሽኮርን ጥዕና ዘይህቡን መቃምምቲ ዝተሰርሑ’ዮም።
7. ጥረ ነገራት(ሳፕሊመንትስ)
ንዝሓሸ ጥዕና ጽቡቕ ብቕዓት ዘለዎም ተወሰኽቲ ካብ ኣትክልቲ ዝምንጭዉ ሚነራት ኣብ ግምት ነእትዎ። ብተወሳኺ ጽቡቕ ብቕዓት ዘለዎም ተወሰኽቲ ካብ ኣትክልቲ ዝምንጭዉ ሚነራት ማለት ዉሑድ መግቢ ትበልዕ………ኣስተውዕል ኣካላትና ብቑዓት ሚነራላት እንበር ብዙሕ መግቢ ኣየገድሶን።
8. ንእስተይ ብያቲ፣ ስልጣንያን፡ ንድስትን
ዓቢ መመገቢ ብያቲ ምስ ዝህልወካ እሞ መግቢ ምስ ትመልኦ፡ ኣሸበሸብ ንኩሉ ክትበልዖ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል እዩ። ንኣሽቱ ብያቲ ብምግዛእ፡ ልዕሊ መጠን ካብ ምብላዕ ተቖጠብ። ምናልባት ነዚ ፍልልያት ድማ ኣካላትናን ኣእምሮናን ኣይከስተውዕሎን እዩ።
9. ንእሽቶ ሚዛን ቀንስ
ልዕሊ ክብደት ምዃንካ ምስ እትፈልጥ፡ ኣብ ሓደ እዋን ጥዕና ዘለዎ ብምብላዕ ጥራሕ ሚዛን ንክትቕንስ መድብ። ክንደይ ዝኣክል ሚዛን ክትጎድል ኣለካ ኣብ ዝብል፡ ንነብስካ ንእሽቶን ክውንነታውን ሸቶ ብምስራዕ፡ ኣብቲ መደብ ስራሕ።
10. ዝበላዕናዮ ንመዝግቦ
ናይ መግቢ መዝገብ ብምሓዝ፡ ዝበላዕካዮ መዝግቦ። ነታ ንስራሕና እናኸድና እንበልዓ ቁራስ ቾኮላታ እንክንርስዓ የገርም እዩ!