ስድራቤትካ ፍሩታን ኣሕምልትን ክበልዑ ክትገብረሉ እትኽእል 10 መንገድታት - ሰናይት

እትፈትዎም ሰባት ብዉሑዱ ኣብ መዓልቲ ነቶም 5 ፉርታታትን ኣሕምልትን ክበልዑ ምግባር ቃልሲ’ዩ። ብልክዕ ድማ ኣብዚ ኢና ፈጠራውያን ብምዃን ንሳቶም ከየስተውዓሉ፡ ነዞም ጥዕና ዝህቡ ነገራት ኣብ ስርዓተ መግቦም እነእትዎ።

 

1. ቁርሲ ሕውስዋስ ጽሟቕ

ንደቕኻ ናይ ጸባ ጉጽጓጽ ከምዝኮነን ክፈትውዎ ከምዝኾኑን ነግሮም። በረድ፡ ተፈጥረኣዊ ርግኦ ከምኡ’ውን ሓድሽ ፍሩታ ኣብ ጠሓኒት ብምእታው ሓዋውሶ፡ ድሕሪ’ዚ ከተቕርቦ ትኽእል ኢካ። ኣገዳሲ ኮይኑ ምስ እትረኽቦ ጥሑን ፕሮቲን ወይ ድማ ጥሑን እንጣጢዕ ብምሕዋስ ዝያዳ ደርዓዮ (ክብ ኣብሎ) ። ደቅኻ ጀላቶ ዝፈትዉ ምስ ዝኾኑ ሓድሽ ፍሩታ ክንዲ ምጥቃም ዝበረደ ፍሩታ ክትጥቐም ትኽእል ኢካ። እቲ ሕውስዋስ ጽሟቕ ድማ ሕፍሰቱ ከም ጀላቶ ኮይኑ ክትረኽቦ ኢኻ።

 

2. ብተፈጥሮ ዝደረቕ ፍሩታ

ብተፈጥሮ ብዘይሕዋስን መዐቐቢ ነገራትን ዝነቐጸ ወይ ዝደረቐ ፍሩታ ንቁርሲ ወይ ጠዓሞት እቲ ዝበለጸ እዩ። ምስ ሳላጣ’ውን ክውሰኽ ይኽእል እዩ። መንቐጺ ብምጥቃም ወይ ውን ብዝተሓተ ሙቐት ናይ ፎርኖ ባዕልካ ከተድርቖ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ድማ ኣብ ናይ ደቕካን ወለድኻ ናይ ምሳሕ ቦርሳ ግበረሎም።


3. ኣብ ፓኒኖ ፍሩታን ኣሕምልትን ተጠቐም

ንሳንድዊች ወይ ፓኒኖ እትጥቐመሉ ባኒ ካብ ጉሉተን ነጻ ዝኾነ ተጠቐም፡ ወይ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልሙድ ዝኾነ ጥቕላል ናይ ጣፍ ቕጫ’ውን ፈትኖ። ብረቒቕ ዝተቖርጸ ቁፋሕ፡ ናና ወይ ስትሮቬሪ ምስ ለውዚ ቅብኣት ገይርና ነዳልዎ። (ይቕሬታ! ቅብኢ ፒናት ምጥቃም ኣይግባእን) ።

ዝተመትረ ኮሚደረ፡ ኩኩምበር፡ጉዕ በርበረ፡ ላቱጋ፡ዝተፋሕፍሐ ካሮቲ ምውሳኽ ይከኣል። ወይ’ውን ብታኪን፡ ሳንድዊች ብፋርማጆ ኣብ ትኽሽንሉ ካልእ ዓይነት ኣትክልቲ ተጠቀሙ። ብተወሳኺ ኣብ ገዛ ብነዳልዎ ካብ ቕብኣት ነጻ ብዝኮነ ማይነይዝ ብምድላው ስድራቤትና ክፍትንዎ ንግበር።


4. ሓደ ሳላጣ ኣብ ግዜ ድራር

ዝተፈላላየ ናይ ሳላጣ ኣሰራርሓ ንስድራቤትካ ብምልላይ ናይ ድራር ግዜ ሰሓቢ ክትገብሮ ፈትን። ነደቕኻ ድማ ዕድሚኦም ብዝፈቕደሎም ኣገባብ ድራር ኣብ ምቕራብ ከምዝሳተፉ ግበሮም። ንገለ ካብቶም ትጥቀመሎም ኣስቤዛ ብዝተፈላለየ ቕርጽታት ከዳልውዎ ሕደጎም። ነቶም ፍረታት፡ ናይ ሳላጣ መቃምምቲ፡ ኣሕምልቲ፡ፋርማጆን ካልኦትን ብምዝርጋሕ ክርእይዎ ግበር። ከም ውጽኢቱ ድማ ካብታ እዋን ኣትሒዞም ወጺኦም ክበልዑ ኣይክደልዩን እዮም። እዚ ድማ ከምቲ ኩለን ብሉጻት ቤት መግቢ ምድላው እቲ ቁልፊ ከምዝኾነ ዝፈልጥኦ እዩ።

 

5. ፍሩታትን ኣሕምልትን ምስታይ

ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝተዳለወ ጽሟቕ ኣብ ሓደ መትሓዚ ብምዕቃብ ኣብ ፍርጅ ብምቕማጥን፡ ጥምየት ኣብ ዝስምዕዕም እዋን ብልዙብ ኣገባብ ስድራቤትካ ክሰትይዎ ተወከሶም። ኣብ ዙሑል ዝተቕመጠ ጽሟቕ ካብ ዝተዳለወሉ ግዜ ኣትሒዙ ኦክሲዳይዝ ንምኳን ቀልጢፉ እዩ ዝጅምር። ስለዚ መዓልታዊ ሓደሽ ጽሟቕ ኣዳሉ።

ንስድራቤትካ ዝፈትውዎ ጽሟቕ ብምድላው፡ ነታ ናይ “ኮክተይል ሰዓት” (ሕውስዋስ ሳላጣ ፍረ ግዜ) ሓብሮም። ፍረታትን ካልእ ዝተፈላለየ ናይ መመላኽዒ ተጠቂምና ኣመላኽዓዮ። ምስ ስድራቤትና እናኣዕለልና ንስተዮ። ከም ልምዲ ምስ ክገብሮ ድማ ኣገዳሲ’ዩ።


6. ድሕሪ መግቢ ዝብላዕ ምቑር ነገር (ዲዘርት)

ስድራቤትኩም ነዞም ዓይነት ዲዘርት ክጸልእዎም ኣይክእሉን’ዮም

· ሓንቲ ንእሽቶ ዝበረደት ርግኦ ወይ ከም ተጣሒኑ ዝተሓዋዊሱ ዝበረደ ከም ባናናን ማንጉስን

· ክሬም ወይ ዝተጋዕተ ኣቮካዶ ኣብ ላዕሊ ብምግባር።

· ብብዙሓትን ሓደስቲ ፍረታት ብምኳማር


7. ናይ ፍሩታን ኣሕምልትን ቁርሲ

· ዝተመትረ ቱፋሕ ብ ቅብኢ (ፒናት ባተር ክንጥቀም ኣይግባእን) ወይ ብፋርማጆ

· በብኹቦ ዝቀረበ ፋርማጆ ምስ ወይኒ ወይ ኣናናስ

· ጥረ ኣእጋር ናይ ኣሕምቲ ምቕራብ

· እግሪ ሰዴኖ ምስ ኣቮካዶ ወይ ፋርማጆ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ላዕሊ ዘቢብ ብምግባር

 

8. ሓደስቲ ነገራት ፈትን

ንስድራቤትካ ካልእ ብርቒ ዝኾነ ፍሩታትን ኣሕምልትን ከተላልዮም ፈትን። ድሕሪ ምጥቃምካ ኩሉ ጎረባብትካ’ውን ክፈልጥዎ እዮም። ሎሚ ዘመን ካብ ዘለዉ ዕዳጋታት ካብ ኩሉ ዓለም ዝመጸ ፍረታትን ኣሕምልትን ስለዝርከቦ፡ ካብ ምፍታኖም ድሕር ኣይትበል።

 

9. ናይ ኣዕጽምቲ መረቕ ወይ ዝተጠጠቀ ኣሕምልቲ

መረቕ ናይ ኣዕጽምቲ ኣዳሉ ወይ ኣሕምልቲ ጠጠቅ። እዚኦም ኣብ ናይ ሓጋይ’ሞ ሰዓታት ምሸት ኣገደስቲ እዮም።

 

10. ኣሕምልቲ ኣብ መዓልቲ

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ኣየናይ ዓይነት ኣሕምልቲ ኣብ መዓልቲ ይደልዩ ክመርጹ ፍቐደሎም። በዚ ኣገባብ ሓደ ኣባል ስድራቤት ዝመረጾ ካልኦት ክፍትንዎ ከለው፡ ንሳቶም ድማ ከምኡ ይመርጹ።

The cookie settings on this website are set to 'allow all cookies' to give you the very best experience. Please click Accept Cookies to continue to use the site.
You have successfully subscribed!