ብቐሊሉ ክንረክቦምን ክንዕድጎም እንክእልን 10 ብሉጻት መግብታት- ብዝሕዝዎ ትሕስቶ ኣንቲቶክሲዳንት መሰረት ዝገበረ
ነፍሲ ወከፍ መግቢ ዝሕዞ መጠን ኣንቲኡክሰዳ ኦርኤሲ (ORAC) ኣሃዱ (ኦክስጅን ሱር ነቐል ዓቕሚ ምምጻው) ዝዕቐን’ዩ። ቁጽርታት ናይ’ዚ መዐቐኒ ኣሃዱ እናለዓለ ኣብ ዝኸደሉ፡ ዝያዳ ዝርዝር መግብታት እናበዝሑ ዝኸዱ። ብዙሕ መጠን ትሕስቶ ጸረኡክሰዳ ዘለዎም መግብታት፡ ኣብ ዋሃዮታትና ኣገዳሲ ንጥፈት ከምዘለዎም እዩ ዝእመን። እዚ ድማ ዝያዳ ዕድመ ንምውሳክ ከምኡ’ውን ካብ ከም ካንሰር ዝኣመሰለ ሕማማት ንምክልኻል ኣገዳሲ ኮይኑ ንረኽቦ።
1. ሱማክ
ሱማክ ሓደ ዓይነት ቀመም ኮይኑ፡ ዝያዳ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ምኽሻን ይቕቀምሉ። ጨዋም\ናይ ለሚን ጣዕሚ ስለዘለዎ፡ ከም ካልእ ተፈጥረኣዊ ምርጫ ናይ ጨው ይውሰድ። ኣጸረኡክሰዳ ትሕስትኡ 176 ልዕሊ ዓዃይ ካውሎ(ካለ) እዩ።
2.ካካዎ
ናይ ኦርኤሲ (ORAC) ኣሃዱ ናይ ካካዎ 10 ዕጽፊ ልዕሊ ሰመያዊ ጎምጠጥ (blueberries) እዩ። ጥረ ካካዎ ዝለዓለ መጠን ኣንቲኡክሰዳ ዝሓዘ ብምዃኑ፡ ንእሽቶ ናይ ካድቤሪ ጸባ ነዚ ጥበብ ክገብሮ ኢልካ ኣይትሕሰብ። እንተኮነ ምብላዕ 85 ሚእታዊ ካካዎ ዘለዎ ቸኮላታ ግን ልዕሊ መጠን ኣርባሒ እዩ።
3.ቃርፋ ናይ ስሪላንካ
ዝበዝሐ ሰብ ዝጥቀመሉ ካስያ ወይ ናይ ቻይና ቃርፋ’ዩ። ብብዝሒ ምስ እተህልኾ፡ (coumarin) ስለዘለዎ መርዛም ኮይኑ፡ ንጸላም ክብዲ ክዕንዋ ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ እዮም ተመራመርቲ ቃርፋ ስሪላንካ ክንጥቀም ዝምሕጸኑና። እዚ ንዓኻ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ልኡም ጣዕሚ ስለዘለዎ ወላ ውን ኣብ ኣእካል ከይተረፈ ክትጥቐመሉ ትኽእል።
4.ናይ ህንዲ ክሽምሽ (ናይ ህንዲ ጉስቤሪስ)
ናይ ህንዲ ጉስቤሪስ ክልተ ዕጽፊ ኣንቲኡክሰዳ ናይ ኦካይ ኣለዎ። እቲ ዝገርም ክሳብ ሕጂ ን ናይ ህንዲ ጉስቤሪስ ሰሚዖሞ ዘይፈልጡ ሰባት ምህላዎም እዩ። ኣብ ዝኾነ ዕዳታት ክትረክቦም ኣጸጋሚ እዩ። ዝተዳለወ ጥሑን ናይ ህንዲ ጉስቤሪስ ሓርጭ ክትገዝእን መመቀር ኣፍ ወይ ድማ ዲዘርት ኣብ እተዳልወሉ ክትንስንሶ ትኽእል ኢካ።
5.ካዕካዕ ኣመሪካ (ካርያ)
ካዕካዕ ኣመሪካ (ሎሊ) ዝለዓለ መጠን ጸረኡክሰዳ ኣለዎ። ለውዚ እውን ኣብቲ ዝርዝር ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ እዩ ዝርከብ።
6.ህሩድ
ህሩድ ጻዕቕቂ ኩርኩሚን ኣለዎ ስለዝተባህለ፡ ሓደ ካብቶም ብዙሕ መጽናዕትታት ዝተካየደሎም ቀመማት እዩ። ኩርኩሚን ጸረ ኣቖጣዒ ወይ ኣነዳሪ ተርእዮታት ብምዃኑ፡ ከም ኣፈዋሲ ናይ ነድሪ ሕማማት ከም ነድሪ መላግቦን ፋይብሮማያልጂያ ይጠቕም። ብተወሳኺ ኣፈዋሲ ንሕማማት ልቢ፡ ካንሰር ከምኡ’ውን ሕማም ረሲዕ ይጠቕም። እንተኮነ ውሑዳት’ዮም ጥቕሙ ዝፈልጡ።
7.ፍረ ቺያ
እዚ ፍረ እዚ ካብ ዝፍለጥ ሚልዮናት ዓመታት ኣለዎ። ልዕሊ ሳልሞን ዓሳ ኦሜጋ 3 ኣለዎ። ልዑል ትሕስቶ ፕሮቲን ክህልዎ ከሎ 9 ግድነታውያን ኣሚኖ ኣሲዳት ኣለዎ። ኣስተውዕል፡ ጸሊም ናይ ቻያ ፍረ ዝለዓለ ጸረኦክሰዳ ኣሃዱ ልዕሊ ጻዕዳ ቻያ ኣለዎ።
8.ፍረ ድማ
ገረብ ድማ ብሰፊሑ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከብ እዩ፡ ፍሪኡ ብመበቖላውያን ሰባት ኣብ ጥቕሚ ካብ ዝውዕል ነዊሕ ገይሩ’ሎ። ልዑል መጠን ጸረኦክሶዳ ጥራሕ ዘይኮነ፡ 40 ሚእታዊት ልዕሊ ኦካይ ኣለዎ። መቐረት ስለ ዘይብሉ ድማ ኣብ ምቑራትን ሃዋሃዋ ዝመልሱ መግብታት ክኣቱ ኣየጸግምን። ብካልሽዩም፡ ፖታሽዩምን ቪታሚን “ሲ” ን ከምኡ ውን ብሓቓቒ ጽሕጊ ሃብታም እዩ።
9. መሸላ
መሸላ ከም ቀዋሚ መግቢ ኣፍሪቃውያን ካብ ዝኸውን ዘመናት ኣለዎ። መሸላ ኣብ ኩሉ ይኣቱን ከም ሕሩጭ፡ ሩዝ፡ ንቢራ መስርሒ ይኸውን’ዩ። ካብ ግሉተን ነጻ ኮይኑ ከም ንስርናይ ኣማራጺ ክንወስዶ ንኽእል። ብቫይታሚናት፡ ሚነራላትን ፕሮቲንን ሃብታም እዩ። ጻዕዳ መጸላ ዝለዓለ መጠን ኦርኤሲ(ORAC) ልዕሊ ካውሎ ዓዃይ ኣለዎ። ከምኡ’ውን ቀይሕ መሸላ ብ 7 ዕጽፊ ጸሊም መሸላ ድማ 11 ዕጽፊ መጠን ኦርኤሲ(ORAC) ልዕሊ ካውሎ ዓዃይ ኣለዎ።
10. ፕርፕል ዕፉን
ብጫ ዕፉን 738 ከምኡ’ውን ፐርፕል ዕፉን 10,800 መጠን ኦርኤሲ ኣለዎ። ፐርፕል ዕፉን ኣብ ስልጣነ ኢንካስ ልሙድ እዩ ዝነበረ። ሽሕ’ኳ ሓድሽ ፐርፕል ዕፉን ክትረክብ ኣጸጋሚ እተኮነ፡ ብዙሓት ኣብ ናይ ጥዕና ዱካናት ብመልክዕ ጥሑን ወይ ውን ንቑጽ ይርከብ እዩ።