ውጥን መዓልታዊ ኣመጋግባኻ – ሰናይት

መዓልታዊ ብልዕኻ ምውጣን፡ ተሃንዲካ ናብ መሸጣ ፋስት ፉድን ጥዕና ዘይህብ መግቢ ካብ ምምጋብን ሜላ መወገዲ’ዩ። ብተወሳኺ ካብ’ቲ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ኣካላትና ዘድልዮ መኣዛታት ከምዝረኸበ እነረጋግጸሉ ሓደ መንገዲ’ዩ። ጥዕና ዝህብ ኣመጋግባ ንድልዱልን ጥዑይን ኣእምሮ ኣገዳሲ እዩ። ካብ’ዚ ብዝፍለ ድማ፡ ኣብ ኣእምሮናን ኣካላትናን ንዘሎ ጽልዋታት ወጥሪ’ውን ንምህዳእ ይጠቕም።

ጭንቐት (ወጥሪ) ናብ ሽኮር ዘለዎም፡ ስታርች ወይ ስብሓውያን መግብታት ከም እነምርሕ እዩ ዝገብረና። እዚ ንግዚኡ ንዘለና ወጥሪ ዝግ ከብለልና እንተኻኣለ፡ ዘላቒ ፍታሕ ግን ኣይኮነን። ካብ’ዚ ብዝተፈለየ ጭንቐት ዘፋኩሱ ድልዋት ቁርሲ፡ ከምኡ’ውን ከም ፍረታት፡ ዎልናት(ጁዝ)፡ ርግኦ፡ ጸሊም ቸኮላታ (ምልእቲ ቁራስ ዘይኮነት) ክትወስድ ይከኣል። ሓደስቲ ጽሟቕ ምስ ኣቨካዶ ከምኡ’ውን ጸሊም ቖጻል ግሪንስ (ዳርክ ሊፊ ግሪንስ) እውን ተፈጥርኣውያን መፋኮሲ ወጥሪ እዮም።

እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ፡ ዝበለጹ ኣብነት ናይ ጥዕና ዝህቡ መግብታት ንኣካልናን ኣእምሮን’ዮም

ኣብ ግዜ ብእግሪ ምጉዓዝ

· ዉዑይ ማይ ምስ ሓድሽ ጽሟቕ ለሚን

ቁርሲ

· ጽሟቕ ፍረታት ምስ ኣቨካዶ ወይ በሪስ ወይ

· ዝበሰለ ናይ ጣፍ ገዓት (ነጻ ካብ ጉሉተን ከምኡ’ውን ብቫይታሚን “ሲ”ን ካልሹምን ሃብታም) ወይ

· ኣብ ግዜ ምሸት፡ ኣብ ማይ ዝተኣልከን ዝበሰለን ጣፍ (ን24 ሰዓታት) ምስ ዝበሰለ እንጣጢዕ፣ ካሙንን ገለ ሓደስቲ ፍረታትን - ካልእ ብዙሕ’ውን ኣብ ኦንላይን ኣሎ

ቁርሲ ኣብ መንጎ ንግሆ

· ተፈጥራኣዊ ርግኦ ምስ ፍረታትን ፍስጡቕ (ፒስተሺየው)

ምሳሕ

· ናይ ፓስታ ሳላጣ (ነጻ ካብ ጉሉተን) ምስ ዕማኾ ፍረታት፡ ቀጠልያ ኣቑጽልቲ

ጠዓሞት

· ዉሑድ ቁራስ ጸሊም ቸኮላታ (70 ሚእታዊት ወይ ልዕሊኡ)

ድራር

· ስጋ ናይ ሳዕሪ ዝምገቡ ምስ ብዙሕ ኣሕምልቲ

ኣብ ግዜ ድቃስካ እትሰትዮ

· ሻሂ ካሞሜላ

ምሉእ መዓልቲ

· ብዙሕ ማይ ስተ

እዚ መርኣያ ዝርዝር፡ እንታይ ክትበልዕ ከምዘለካ ኣፍልጦ ክህበካ እዩ። ካልኦት ብዙሓት ጥዑይ ኣእምሮን ኣካልን ንክህልወካ ዝሕግዙ መግብታት ኣለዉ። ኣብ ሰሙናዊ ዝርዝር ኣመጋግባኻ ንከተእትዎ ድማ ተጠንቒቕካ ክትሓስበሉ ኣለካ። ዘክር! ብፍላይ ኣብ ከም ቸኮላታ፡ ኣቮካዶን ካዕካዕን። ምቑራትን ጥዑያትን’ኳ እንተኮኑ ብማእከላይ መጠን ክንበልዖም ኣለና። ንስካ እቲ እትበልዖን እትሰትዮን ኢኻ፡ ስለዚ ንጥዕና ኣእምሮካን ኣካላትካን ኣርባሒ ዝኾነ መጠን መግቢ ትምገብ ምህላውካ ከተረጋግጽ ኣለካ።

The cookie settings on this website are set to 'allow all cookies' to give you the very best experience. Please click Accept Cookies to continue to use the site.
You have successfully subscribed!