ብሓላፍነት ምምጋብ ንዝሓሸ ጥዕና
ሓላፍነት ዘለዎ ኣመጋግባ ማለት ልኽዕ ከም ሓላፍነታዊ ምዃን ዝብል መትከል ኣለዎ።እዚ ማለት፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ ብዛዕባ ነቲ ናብ ኣካልትና እነእትዎ ዘለና ነዳዲ ምግንዛብ ማለት እዩ። ጎፍ ክመልኡ ንዝበልዑን ጠገለ ዘይብሉ ንዝበልዑን ሓላፍነታዊ ኮይንካ ምብላዕ ኣገዳሲ እዩ። እንበልዖ መግቢ እዩ ንሕና መን ምዃና ዝገብረና። ብዘይ መግቢ ክንህሉ ዘይንኽእል እንከለና፡ ዛጊት ድማ ዘይጠቅም መግብን ከምኡ’ውን እንበልዖ ዝግባእ ኣተኩሮ ኣይንህቦን። ብልኽዕ ድማ ሓላፍነታዊ ኮይንካ ምብላዕ ኣብ’ዚ እዩ ዘገድሰና።
ብኸመይ ትፍልም
ኣብ መዓልቲ ኣብ እታ እንኮ እትምገበላ እዋን፡ ነቲ ብተንቀሳቃሲ ስልኪ፡ቴሌቭጅን ወይ’ውን ጸኒሕካ እተሰላስሎም ርክባት ብምውጋድ ኣብ እትበልዖ ዘለካ ኣተኲር። እቲ ኩነታት ንስኻን እትምገቦን ጥራሕ ዝተባሕተ ይኸውን። ሓጎስ ዝህበካ ብልዒ ምረጽ። ዝበለጹ ክትዕድጎም እትኽል መቃምምቲ ምረጽ ከምኡ’ውን ነቲ መግቢ ኣብ እተዳልወሉ ካብኡ እትረኽቦ ጥዕና ሕሰበሉ። ምስ መሓዙትካን ኣባላት ስድራቤትካ ኮይንካ ነዚ ምስ እትፍልሞ ዝሓሸ እዩ።
ሕሰቦ እትምገቦ ትኩስ ብኮሚደረን\ባሲል ስልሲ፣ ፓስታ ኮይኑ ፓርምዛን ዝተነስነሶ’ሞ ሳላጣ ዘሰንዮ እዩ። ብዝግባእ ድማ ሰሪሕካዮን ኣማዕሪግካ ኣብ ብያትካ ቀሪብካዮ ኣለኻ። ኣብ መቀረብ መኣድኻ ድማ ተቕሚጥካ ነቲ ሕብርታትን ትርኢትን ድማ ተድንቕ ኣለኻ። ፋርኬታ ምሉእ ምቁር መግቢ ናብ ኣፍካ ኣእቲካ። ኣብ እትሕይኸሉ እዋን ዘሎ ጣዕሚ ክንደይ ደስ ዘብል እዩ።
ዘንቕሕ ጣዕምታት
ብዝያዳ ሓላፍነታዊ ኮይንካ ኣብ እትምገበሉ ካብ ዝተፈላለየ መግብታት እትረኽቦ ዝተፈላለየ ጣዕምታት ከተድንቕ ክትጅምር ኢኻ። ዉሑድ እትበልዕ ዘለካ ኮይኑ ክስምዓካ ከምኡ’ውን ነፍሲ ወከፍ ኣብ እትኩልሰሉ እዋን ስርዓተ መሕቃቕ መግቢ ኣካላትካ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነጥፎ ዝነበረ ብዝሓሸ ክሰርሕ እዩ።
ብዙሓት ሰባት ብሓላፍነት ክምገቡ ካብ ዝጅምሩ ኣትሒዞም ብተፈጥሮ ክብደቶም ከምዝቐነሱ ርእይትኦም ይህቡ ምኽንያቱ ሕጂ ብዛዕባ’ቲ ዝነበርዎ ኩነታት ስለዝግንዘቡ። ቅድሚ ሓላፍነታውያን ኮይኖም ምምጋብ ዝጅምሩ እዞም ሰባት፡ ዝህልዎ ጽልዋ ከየስተውዓሉ ብሃውሪ ኣብ ብያቶም ንዝነበረ ኩሉ መግቢ ይውድእዎ ምንባሮም እዩ።
ሓላፍነታዊ ኣመጋግባ ፍስሃ ዝህብ ምክሻንን ባህታ ዝፈጥርን ስድራቤታዊ ኣጋጣሚታት ክህልዉኻ እዩ ዘአንፍተካ። ንደቕካ ነዚ ዓይነት ኣከሻሽናን ኣመጋግባን ከተሰልጥኖም ከለኻ ባህታ ዝፈጥር ንጥፈት እዩ። ብተወሳኺ፡ እዚ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ሂወት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ሓዲድ (መንገዲ) ጥዕናን ምሉእነት ዘለዎን ሂወት ከእትዎም እዩ።