10 መዓናጡካ ንምፍዋስ ክትገብሮም ዘለካ ነገራት- ሰናይት

ጥዑይ መዓንጣ ክህልወካ ማለት ጥዑይ ኣካላትን ኣእምሮን ክህልወካ ማለት እዩ። ዘመናዊ መድሃኒት ኣብ መጨረሽታ ነቲ ‘ሂፖክራተስ’ “ኩሉ ሕማማት ኣብ መዓንጣ ይፍልም” ዝብል ክሰምዖ ጀሚሩ እዩ። ዘይጥዑይ መዓንጣ ንስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ኣካላትና ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩ ንእልፊ ሕማማት የቃልዓና። ዝኮነ ኮይኑ፡ ነብስና ክንፍውስ ብዙሕ ነገራት ክንገብር ንኽእል ኢና።

 

1. ሽኮር ኣይትመገብ

ሽኮር ናትካ ናይ ‘ማይክሮብሮም’ ቀታሊ እዩ። ሕማቕ ባክተርያ ሽኮር ይፈቱ እዩ። ኣብ መዓንጣካ ምስ ኣተዉ ድማ ብቐሊሉ ድማ ይራብሑ። ነቶም ንኣካላትና ረብሓ ዘለዎ ባክተርያ ድማ ይጻረርዎም።


2. ዝተመስርሑ ሽኮር ምውጋድ

እመኑ ኣይትእመኑ ዝተመስርሕ ሽኮር፡ ምስ ሓቐቑ ናብ ‘ፎርማልደሃይድ’ (ብርቱዕ ዝሽትኡ ሕብሪ ኣልቦ ዓይነት ጋዝ) ዝቕየሩ’ሞ ጸላም ከብድና ፈጺማ ክትጻወሮ ኣይትኽእልን’ያ።እዚ ድማ ንካንሰርን ባዕለ ብዩናዊ ሕማማትን ከቓልዓና ይኽእል። ኩሎም ከም ኣማማራጺ እንጥቐመሎም ሽኮር ኣብ ጥዕናና ጽልዋ

ስለዘለዎም ከነወግዶም ዝበለጸ እዩ። ኣብ ዕዳጋ ካብ እንረክቦም ሓደስቲ ፍርያት ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ኣብ ጥዕናና ጽልዋ ክህልዎም ስለዝኽእል፡ ክነወግዶም ዝበለጸ እዩ።

 

3. ጽሬቱ ዝሓለወ መግቢ ተመገብ

ብተብ ተብ ወይ ብቅልጡፍ ዝዳልወኡን ዝተመስርሑን መግብታት ካብ ምብላዕ ተቖጠብ። ህይወታውያን መግብታት፡ ኣሕምልቲ፡ ስጋ ከምኡ’ውን ዓሳን እንቃቕሖን ሕማም ዘስዕብ ስብሕታት ዘይብሎም መግብታት ምምጋብ።

 

4. ብፕሮባዮቲክ ሃብታም ዝኾነ መግብታት ምምጋብ

ብተፈጥሮ ዝበኽዑ መግብታት ከም ቂምጪ፣ ጥርሺ ካውሎን ከፊርን ንጥዕና መዓንጣና ኣገደስቲ ዝኮኑ ባክተርያ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ኣለዎም። ብመስርሕ ፕስተራ ዘይሓለፈ ፋርሞጆ፡ ቅብኣት ዘለዎ ጸባ፡ ርግኦ፡ ኮምቦቻ፣ሚሶ፣ተምፕ ከምኡ’ውን ናይ ቱፋሕ ሲዳርን ብ’ፕሮባይፕቲክ’ ህብታማት እዮም። እኹል ’ፕሮባይፕቲክ’ ኣይወስድ ኣለኩ ኢልካ ምስ እትሓስብ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ናይ ’ፕሮባይፕቲክ’ ጥረ ነገራት ኣለዉ።

 

5.ፕሮባይፕቲክ

ፕሮባዮቲክ መግብታት ብምብላዕ፡ እወንታዊ ጽልዋ ፕሮባዮቲክስ ክውሰኽ ይከኣል እዩ። እዚኦም ክሓቑ ዘይኽእሉ ካርብስ ይርከብዎም። እዞም እቶም ዘይሓቑ ካርብስ ኮይኖም፡ ንመዓናጡና ዝጠቕሙ’ዮም። ከም ኣስፓራጎ፡ ጻዕዳ ሽጉርቲ፡ ሽጉርቲ፡ ካርቾፊ፡ ባናና ከምኡ’ውን ኩሎም ኣእካል ኣብ ስርዓተ ኣመጋግብኻ ኣጠቃልሎም። እዚም እቶም ብፕሮባዮቲክ ዝሃብተሙን ዝተፈልጡን መግብታት እዮም።


6. ቢት ካቫስ

ቢት ካቫስ ኣብ ዩክሪን ዝዳሎ ባህላዊ መስተ ኮይኑ ብላክቶባሲላስ ዝተባህለ ባክተርያ ቦኲዑ ዝዳሎ እዩ። ነቶም ንጥዕናና ሓገዝቲ ዝኮኑ ባክተርያ ክራብሑ ምቹእ ኣከባቢ ብምፍጣር፡ ነቲ ኣብ ከስዐና ዝዳሎ ኣሲድ ይሕግዝ። ቢት ካቫስ ክዳሎ ቀሊል ኮይኑ ቀጥታ ክስተ ይከኣኣል እዩ ወይ ድማ ኣብ መግብታትን ኣብ ሳላጣን ክንስነስ ይከኣል።


7. ምብላዕ ገላቲን

ምብላዕ ግላታይን (መለግላጋይ) ንመናድቕ መዓናጡና ይሃንጾ እዩ።

 

8. ምዝናይ

ብዙሓት መጽናዕትታት ከምዝሕብሮ ጸቕጢ ወይ ጭንቐት ሓደ ካብ ዓበይቲ ጠንቕታት ኣብ መዓናጡ ዝፍጠር ጸገማት እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ምንዛዕ ጋስትሪክን ዋሕዚ ደም ኣብ መዓናጡን ድማ ለውጥታት

የስዕብ። ምዝናይ ግን ነቲ ናይ መዓናጡና ጥዕና ክድግፍ ከሎ ነቶም ኣገደስቲ ባክተርያ ክስስኑ ይገብር ወይ የተባባዕ።

 

9. ምሕጻብ ኣሕምልትን ወይ ጸረ ባክተርያ ሳምና?

ብዙሓት ሰባት ዝምገብዎ ኣሕምልቲ ምሕጻብን ብጸረ ባክተርያ ሳምና ሰውነቶም ወይ ኢዶም ብምሕጻቦም ካብ ጠቀምቲ ታሃዋስያን ከምዝሕርም ይዛረቡ። ኣብ ኤውሮፓ ዝተካየዱ መጽናዕታት ከምዝሕብርዎ ግን ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታ ዝነብሩ ቖልዑ ብኣዝማን ሓሳስያን ክጥቕዑ ዘለዎም ተኽእሎ ዉሑድ ከምዝኮነ ይሕብሩ።

 

10. ኣካላዊ ምንቕስቃስ

ኣካላዊ ምንቕስቃስ ንናይ መዓናጡና ፍሎራ ኣወንታዊ ጽልዋ’ዩ ዘለዎ። ኣብ ናይ መዓናጡ ፍሎራ ምርኩስ ብምግባር ኣብ ክሮክ ዩኒቨርሲቲ ኣብ 40 ፕሮፈሽናላት ተጻወቲ ራግቢ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ መዓናጥኦም ዝርከቡ ታሃዋስያን ልዕሊ ናይቶም ምንቕስቃስ ዘየዘውትሩ ሰባት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ዘነጽር እዩ።

The cookie settings on this website are set to 'allow all cookies' to give you the very best experience. Please click Accept Cookies to continue to use the site.
You have successfully subscribed!